ሓዘን
ብሞት ምሕዛን ንቡር ምዃኑ ዜርኢ እንታይ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ፧
የሆዋ ንሓዘንተኛታት ኬጸናንዖም ከም ዚደሊ ዜርኢ እንታይ ኣሎ፧
ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት ምፍላጥና ብኸመይ የጸናንዓና፧
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ሉቃ 20:37, 38—ትንሳኤ ብርግጽ ስለ ዚፍጸም፡ ኣምላኽ ንምዉታት ከም ህያዋን ገይሩ ኸም ዚርእዮም የሱስ ገለጸ
-
ዮሃ 11:5, 6, 11-14—ኣልኣዛር ምስ ሞተ፡ የሱስ ንሞት ምስ ድቃስ ኣመሳሰሎ
-
እብ 2:14, 15—ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ብፍርሂ ሞት ኣብ ትሕቲ ባርነት ክንቍረን ከም ዘይብልና ገለጸ
-
ሓደ ሰብ ኣብ ዚሞተሉ ግዜ ዝሓሸ ስም ኪህልዎ ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ንሞት ብኸመይ ይገልጾ፧ ኣምላኽከ ንሞት እንታይ ኪገብሮ እዩ፧
ብዛዕባ ናይ መጻኢ ትንሳኤ ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧
ኢሳ 26:19፣ ዮሃ 5:28, 29፣ ግብ 24:15
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ትሽዓተ ትንሳኤ ተመዝጊቡ ኣሎ፣ እቶም ሸሞንተ ናብ ምድራዊ ህይወት እዮም ተንሲኦም። እቶም ብሞት ሰቦም ዚሓዝኑ ሰባት፡ ካብዚ ዛንታታት እዚ መጸናንዕን ተስፋን ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም
-
1ነገ 17:17-24—ነብዪ ኤልያስ ኣብታ ኣብ ሲዶን እትርከብ ሰራጵታ ንእትነብር መበለት ወዳ ኣተንስኣላ
-
2ነገ 4:32-37—ነብዪ ኤልሳእ ኣብ ሹነም ንሓደ ቘልዓ ኣተንስኦ
-
2ነገ 13:20, 21—ካብ ዚመውት ነዊሕ ዘይገበረ ሰብኣይ ንኣዕጽምቲ ነብዪ ኤልሳእ ምስ ተንከየ፡ ተንስአ
-
ሉቃ 7:11-15—የሱስ ኣብ ከተማ ናይን ናብ ቀብሪ ዝኸዱ ሰባት ደው ኣቢሉ ንወዲ ሓንቲ መበለት ኣተንስኦ
-
ሉቃ 8:41, 42, 49-56—የሱስ ንጓል እቲ ያኢሮስ ዚብሃል መራሕ ምኵራብ ኣተንስኣ
-
ዮሃ 11:38-44—የሱስ ንዓርኩ ኣልኣዛር ኣተንሲኡ ምስተን ማርታን ማርያምን ዚብሃላ ኣሓቱ ኸም ዚራኸብ ገበረ
-
ግብ 9:36-42—ሃዋርያ ጴጥሮስ ነታ ብሰናይ ግብራ እትፍለጥ ዶርቃስ እትብሃል ክርስትያን ኣተንስኣ
-
ግብ 20:7-12—ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኻብ መስኰት ወዲቑ ዝሞተ ኣውጢኮስ ዝስሙ ጐበዝ ኣተንስኦ
-
-
የሱስ ክርስቶስ ዘይመውት መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ተንስአ፣ እዚ ድማ ኵሉ ተስፋና ኸም ዚፍጸም መተኣማመኒ ይህበና
-
ካብቶም ናብ ሰማይ ዚትንስኡን ዘይመውት ህይወት ዚውሃቦምን፡ የሱስ ናይ መጀመርታ እዩ፣ እቶም 144,000 ቅቡኣት ሰዓብቱ፡ ተመሳሳሊ ትንሳኤ ይረኽቡ እዮም
-
ብሞት ሰቦም ንዚሓዝኑ ዘለዉ ሰባት ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧