ተኣዛዝነት
ተኣዛዝነት ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧
ዘጸ 19:5፣ ዘዳ 10:12, 13፣ መክ 12:13፣ ያእ 1:22
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
1ሳሙ 15:17-23—ንጉስ ሳኦል ንየሆዋ ስለ ዘይተኣዘዞ፡ ነብዪ ሳሙኤል ንሳኦል ገንሖ፣ ድሕሪኡ፡ ሳሙኤል ኣገዳስነት ተኣዛዝነት ኣጕልሐ
-
እብ 5:7-10—የሱስ ፍጹም ወዲ ኣምላኽ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ግና በቲ ዘሕለፎ መከራ ተኣዛዝነት ተማህረ
-
ሓደ ብዓል ስልጣን ንሓደ ክርስትያን ትእዛዝ ኣምላኽ ኪጥሕስ እንተ ሓቲትዎ፡ እቲ ክርስትያን እንታይ እዩ ኺገብር ዚግብኦ፧
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ዳን 3:13-18—እቶም ሰለስተ እሙናት እብራውያን ህይወቶም ኣብ ሓደጋ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ምስጋድ ኣበዩ
-
ማቴ 22:15-22—ክርስትያናት ብዓለማውያን ሰበ ስልጣን ትእዛዝ የሆዋ ኣምላኽ ኪጥሕሱ ኽሳዕ ዘይተሓትቱ፡ ኪእዘዝዎም ከም ዘለዎም የሱስ ገለጸ
-
ግብ 4:18-31—ሰበ ስልጣን ንሃዋርያት፡ ስብከቶም ደው ኬብሉ እኳ እንተ ኣዘዝዎም፡ ንሳቶም ግና ስብከቶም ኣየቋረጹን
-
ትእዛዛት የሆዋ ብቐጻሊ ንምሕላው፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
ካብ ምንታይ ተላዒልና ኢና ንየሆዋን ንየሱስን ክንእዘዞም ዘሎና፧
ተኣዛዝነትና እምነት ከም ዘሎና ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧
ዘዳ 9:23 እውን ርአ
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ዘፍ 6:9-22፣ እብ 11:7—ኖህ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ “ልክዕ ከምኡ” ገይሩ መርከብ ብምስራሕ እምነቱ ኣርኣየ
-
እብ 11:8, 9, 17—ኣብርሃም ካብ ኡር ብምውጻእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ወዱ መስዋእቲ ኪኸውን ብምቕራብ እውን ብተኣዛዝነቱ ኣቢሉ እምነቱ ኣርኣየ
-
እዙዛት እንተ ዄንና፡ የሆዋ ብኸመይ ይባርኸና፧
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ዘሌ 26:3-6—የሆዋ ነቶም ዚእዘዝዎ ኸም ዚባርኾምን ከም ዚሓልየሎምን ቃል ኣተወ
-
ዘሁ 13:30, 31፣ 14:22-24—ካሌብ ናይ ተኣዛዝነት መንፈስ ነበሮ፣ ስለዚ፡ ድማ ካብ የሆዋ በረኸት ረኸበ
-
ዘይተኣዛዝነት ናብ ምንታይ እዩ ዚመርሕ፧
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ዘፍ 2:16, 17፣ 3:17-19—ኣዳምን ሄዋንን ንየሆዋ ኣምላኽ ስለ ዘይተኣዘዝዎ፡ ገነትን ፍጽምናን ናይ ዘለኣለም ህይወትን ሰኣኑ
-
ዘዳ 18:18, 19፣ ግብ 3:12, 18, 22, 23—የሆዋ፡ ካብ ሙሴ ዚዓቢ ነብዪ ኸም ዚመጽእ፡ ንዕኡ ዘይተኣዘዞ ዘበለ ድማ ሕማቕ ሳዕቤናት ከም ዚዓጽድ ገለጸ
-
ይሁ 6, 7—የሆዋ ብሰንኪ ዘይተኣዛዝነት እቶም ዓለወኛታት መላእኽትን ነበርቲ ሶዶምን ጎሞራን ቍጥዓኡ ነደደ
-
ንየሱስ ክርስቶስ ክንእዘዞ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ዮሃ 12:46-48፣ 14:24—የሱስ፡ እቶም ንቓሉ ዘይሰምዑ፡ ከቢድ ፍርዲ ኸም ዚፍረዶም ገለጸ
-
ክርስትያናት ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ሓለውቲ ዚእዘዝዎም ስለምንታይ እዮም፧
ክርስትያን ሰበይቲ ንሰብኣያ ኽትግዝኦ ዘለዋ ስለምንታይ እያ፧
ውሉዳት ንወለዶም ዚእዘዝዎም ስለምንታይ እዮም፧
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ዘፍ 37:3, 4, 8, 11-13, 18—ዮሴፍ ብንእስነቱ ንኣቦኡ ይእዘዞ ነበረ፣ ኣሕዋቱ እናጸልእዎ ኽነሶም ከኣ ከመይ ከም ዘለዉ ኺርኢ ናባታቶም ከደ
-
ሉቃ 2:51—የሱስ ፍጹም እኳ እንተ ነበረ፡ ሰብኣውያን ወለዱ እውን ዘይፍጹማት እኳ እንተ ነበሩ፡ ይእዘዞም ነበረ
-
ሰብ ኣብ ዘይርእየና እዋን እኳ ንኣስራሒና እዙዛት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
ክርስትያናት ንመንግስትታት እዙዛት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧