ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍቓድ የሆዋ ኽትገብር ዲኻ፧

ፍቓድ የሆዋ ኽትገብር ዲኻ፧

ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምእንቲ ኽትፋለጥ፡ ብዛዕባ ንጥፈታትና ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ኣብ ውድብና ዚግበር ምንቅስቓሳት ምእንቲ ኽትዕዘብ፡ ግዜ ወሲድካ ነዛ ብሮሹር እዚኣ ስለ ዘንበብካያ፡ ከነመስግነካ ንፈቱ። ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ ንሳቶም ምዃኖም ከተለሊ ኸም ዝሓገዘትካ ተስፋ ንገብር። ወትሩ ፍልጠት ኣምላኽ ክትቀስም፡ ንስድራ ቤትካን ንፈተውትኻን ብዛዕባ እቲ እተማሃርካዮ ኽትነግሮም፡ ምሳና ሓቢርካ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ኽትካፈል ድማ ነተባብዓካ።—እብራውያን 10:23-25

ብዛዕባ የሆዋ ብዝያዳ ብእተምሃርካ መጠን፡ ክሳዕ ክንደይ ብሓቂ ኸም ዜፍቅረካ ብዝያዳ ኸተስተውዕል ኢኻ። እዚ ኸኣ፡ ንስኻ እውን ፍቕርኻ ኸተርእዮ ዚከኣለካ ዘበለ ኽትገብር ኪድርኸካ እዩ። (1 ዮሃንስ 4:8-10, 19) ነዚ ባህግኻ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ኸተርእዮ እትኽእል ግና ብኸመይ ኢኻ፧ ነቲ ንሱ ዘውጽኦ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ምሕላው ንጥቕምኻ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ምሳና ሓቢርካ ፍቓድ ኣምላኽ ክትገብር ባህጊ ኼሕድረልካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህረካ ሰብ፡ ንስኻን ስድራ ቤትካን ‘ናይ ዘለኣለም ህይወት እናተጸበኹም፡ ንርእስኹም ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ምእንቲ ኽትሕልውዋ፡’ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ተሓጒሱ ኺነግረካ እዩ።—ይሁዳ 21

ቀጺልካ ነዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ መጽሓፍ ብምጽናዕ፡ ኣብ መገዲ ሓቂ ብቐጻሊ ዕቤት ክትገብር ብኽብሪ ንዕድመካ።