ሆሴእ 4:1-19
4 ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፡ ቃል የሆዋ ስምዑ፣ኣብዛ ምድሪ ሓቅን ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ፍልጠት ኣምላኽን የልቦን እሞ፡+የሆዋስ ኣንጻር ነበርቲ እዛ ምድሪ ጕዳይ ኣለዎ።+
2 ናይ ሓሶት ማሕላን ሓሶትን+ ቅትለትን+ስርቅን ዝሙትን+ ኣስፋሕፊሑ ኣሎ፣ምፍሳስ ደም ከኣ ንምፍሳስ ደም ይስዕቦ ኣሎ።+
3 ስለዚ፡ እዛ ምድሪ ኽትሓዝን እያ፣+ኣብኣ ዘሎ ዅሉ ነባሪ ድማ ኪምህምን እዩ፣እንስሳታት መሮርን ኣዕዋፍ ሰማይን፡አረ ዓሳ ባሕሪ እውን ኪጠፍኡ እዮም።
4 “ግናኸ፡ ህዝብኻ ኸምቲ ምስ ካህን ዚማጐት እዩ እሞ፡+ሓደ እኳ ኣይማጐት ወይ ኣይግናሕ።+
5 ስለዚ፡ ቀትሪ ምድሪ ኽትዕንቀፍ ኢኻ፣ነብዪ ኸኣ ምሳኻ፡ ከም ብለይቲ ኺዕንቀፍ እዩ።
ኣነ እውን ንኣዴኻ ስቕ ከብላ* እየ።
6 ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ስቕ ኪብል* እዩ።
ፍልጠት ስለ ዝኣበኻ፡+ካህን ከይትዀነኒ ኽኣብየካ እየ፣ሕጊ* ኣምላኽካ ስለ ዝረሳዕካ ድማ፡+ኣነ እውን ንደቅኻ ኽርስዖም እየ።
7 ብዝበዝሑ መጠን፡ ኣብዚሖም በዲሎምኒ።+
ክብሮም ናብ ውርደት ክልውጦ እየ።*
8 ሓጢኣት ህዝበይ ይምገቡ፡ንስሕተቶም ከኣ ይሃርፍዎ።*
9 ከምቲ ንኻህን፡ ከምኡ ድማ ንህዝቢ ኪኸውን እዩ፣ብሰሪ መገድታቶም ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ፣ሳዕቤናት ተግባራቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ከምጽኣሎም እየ።+
10 ኪበልዑ፡ ግናኸ ኣይኪጸግቡን እዮም።+
ንየሆዋ ግዱ ስለ ዘይብሎም፡ምንዝርና ኼብዝሑ፡ ግናኸ ኣይኪበዝሑን እዮም።+
11 ምንዝርናን ወይንን ጕዕሽ ወይንንቅኑዕ ድራኸ የጥፍእ።*+
12 መንፈስ ምንዝርና ኣስሒትዎም እዩ፡ብምንዝርናኦም እውን ንኣምላኾም ተገዛእቱ ምዃን ኣብዮም እዮም እሞ፡ህዝበይ ንጣኦታት ዕንጨይቲ ይሓትቱ፡በትሮም* ዝበሎም ከኣ ይገብሩ።
13 ኣብ ርእሲ ኣኽራን ይስውኡ፡+ኣብ ኵርባታት ከኣ ይዓጥኑ፣ጽላሎም ጽቡቕ ስለ ዝዀነ ድማ፡ኣብ ትሕቲ ገዘፍቲ ኣእዋምን ኣእዋም ሊብነን ኵሉ ዓብዪ ኦምን ከምኡ ይገብሩ።+
ስለዚ፡ ኣዋልድኩም ይምንዝራ፡ኣንስቲ ደቅኹም ይዝምዋ።
14 ሰብኡት ምስ ኣመናዝር ይኸዱ፡ምስ ኣመናዝር ቤተ መቕደስ ከኣ ይስውኡ እዮም እሞ፡ንኣዋልድኩም ብሰሪ ምንዝርናአን፡ንኣንስቲ ደቅኹም እውን ብምንዝርናአን ተሓተትቲ ኣይክገብረንን እየ።
ከምዚ ዝበለ ኣእምሮ ዘይብሉ ህዝብስ+ ኪጠፍእ እዩ።
15 ኣታ እስራኤል፡ ንስኻ እኳ እንተ መንዘርካ፡+ይሁዳ ኣይበድል።+
ናብ ጊልጋል+ ወይ ናብ ቤት-ኣዌን+ ኣይትምጽኡ፣‘ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ!’ ኢልኩም እውን ኣይትምሓሉ።+
16 እስራኤልሲ ኸም ሕንግድ ኣርሒ ሓንጊዱ ኣሎ።+
እሞኸ ሕጂ የሆዋ ኸም ገንሸልዶ* ኣብ ገፊሕ መጓሰዪ* ኺጓስዮም እዩ፧
17 ኤፍሬም ምስ ጣኦታት ሓቢሩ እዩ።+
ሕደጎ!
18 ስዋኦም* ምስ ተወድአ፡ምንዝርና የብዝሑ።
ገዛእታ* ኸኣ ውርደት ኣዝዮም ይፈትዉ።+
19 ንፋስ ኣብ ኣኽናፉ ኺጥቕልላ* እዩ፣ንሳቶም እውን ብመስዋእቶም ኪሓፍሩ እዮም።”
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ከጥፍኣ።”
^ ወይ፡ “ትምህርቲ።”
^ ወይ፡ “ኪጠፍእ።”
^ ወይ፡ “ክብረይ ብውርደት ለዊጦምዎ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ቃ.ቃ.፡ “ልቢ የጥፍእ።”
^ ወይ፡ “በትሪ ጠንቋሊ።”
^ ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
^ ቃ.ቃ.፡ “ርሒብ ቦታ።”
^ ወይ፡ “ስዋ ስርናዮም።”
^ ወይ፡ “ዋላቱኣ።”
^ ወይ፡ “ኪዅስትራ።”