መዝሙር 107:1-43
107 ንሱ ሕያዋይ* እዩ እሞ፡ ንየሆዋ ኣመስግንዎ፣+ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ።+
2 እቶም የሆዋ እተበጀዎም ከምኡ ይበሉ፣እወ፡ እቶም ካብ ኢድ ተጻራሪ እተበጀዎም፡+
3 እቶም ካብ ሃገራት፡ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን፡ካብ ሰሜንን ካብ ደቡብን ዝኣከቦም ከምኡ ይበሉ።+
4 ኣብ በረኻ፡ ኣብ ምድረ በዳ ዀለል በሉ፣መገዲ መንበሪ እትዀኖም ከተማ ኣይረኸቡን።
5 ጠመዩን ጸምኡን፣ብድኻም ተወድኡ።*
6 ብጭንቆም ናብ የሆዋ ኣእወዩ፣+ንሱ እውን ካብ ጸበባኦም ኣናገፎም።+
7 ናብ ዚነብሩላ ኸተማ ኺበጽሑስ፡+ብቕኑዕ መገዲ መርሖም።+
8 ንየሆዋ ስለቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩንስለቲ ንደቂ ሰብ ኢሉ ዝገበሮ ዜደንቕ ግብርታቱን የመስግንዎ።+
9 ንሱስ ንጽሙእ ኣርውይዎ፡*ንጥሙይ እውን ብጽቡቕ ኣጽጊብዎ* እዩ።+
10 ገሊኦም ብጸበባን ብሓጺንን ተኣሲሮምኣብ ድቕድቕ ጸልማት ይነብሩ ነበሩ።
11 ንሳቶምሲ ኻብ ቃል ኣምላኽ ዓለዉ፣ንምኽሪ እቲ ልዑል ከኣ ነዓቕዎ።+
12 ስለዚ፡ ንልቦም ብሽግር ኣዋረዶ፣+ተዓንቀፉ፡ ዚረድኦም እውን ኣይነበረን።
13 ብጭንቆም ናብ የሆዋ ተማህለሉ፣ንሱ እውን ካብ ጸበባኦም ኣድሓኖም።
14 ካብ ድቕድቕ ጸልማት ኣውጽኦም፣መቓውሖም ድማ ሰበረ።+
15 ንየሆዋ ስለቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን+ስለቲ ንደቂ ሰብ ኢሉ ዝገበሮ ዜደንቕ ግብርታቱን የመስግንዎ።
16 ንሱስ መዓጹ ነሓሲ ሰይሩ፡ተገዳማት ሓጺን ከኣ ቈሪጹ እዩ።+
17 ዓያሹ ነበሩ፡ብሰሪ ኣበሳኦምን ስሕተቶምን ድማ ጸበቦም።+
18 ንዅሉ ምግቢ ዝነበሮም ሸውሃት ጠፍአ፣*ናብ ኣፍ ደገታት ሞት እውን ቀረቡ።
19 ብጭንቆም ናብ የሆዋ ይምህለሉ ነበሩ፣ንሱ እውን ካብ ጸበባኦም የድሕኖም ነበረ።
20 ቃሉ ልኢኹ የሕውዮም፡+ካብቲ እተቐርቀሩሉ ጐዳጕዲ ድማ የናግፎም ነበረ።
21 ንየሆዋ ስለቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩንስለቲ ንደቂ ሰብ ኢሉ ዝገበሮ ዜደንቕ ግብርታቱን የመስግንዎ።
22 መስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ይሰውኡ፡+ግብርታቱ እውን ብእልልታ ይንገሩ።
23 እቶም ኣብ ባሕሪ ብመራኽብ ዚጕዓዙ፡እቶም ኣብ ሰፊሕ ማያት ንግዶም ዜካይዱ፡+
24 ንሳቶም ግብርታት የሆዋ፡ኣብ መዓሙቝ ድማ ዜደንቕ ግብርታቱ ርእዮም እዮም፣+
25 ብቓሉ ማዕበላት ባሕሪ ዜልዕል+ህቦብላ ንፋስ ይትንስእ።
26 ክሳብ ሰማይ ይድይቡ፣ናብ መዓሙቝ ይወርዱ።
ብሰንኪ እቲ ዘንጠልጠለ መዓት ትብዓቶም ይመክኽ።*
27 ከም ስኹር ሰንደልደልን ሰንከልከልን ይብሉ፣ኵሉ ኽእለቶም ድማ ኣይጠቅምን።+
28 ሽዑ፡ ብጭንቆም ናብ የሆዋ የእውዩ፣+ንሱ እውን ካብ ጸበባኦም የናግፎም።
29 ንህቦብላ ንፋስ የህድኦ፣ማዕበላት ባሕሪ ኸኣ ዝግ ይብል።+
30 ምስ ሃድአ፡ ንሳቶም ይሕጐሱ፣ናብቲ ዝደለይዎ ወደብ ድማ ይመርሖም።
31 ንየሆዋ ስለቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩንስለቲ ንደቂ ሰብ ኢሉ ዝገበሮ ዜደንቕ ግብርታቱን የመስግንዎ።+
32 ኣብ ጉባኤ ህዝቢ ልዕል የብልዎ፣+ኣብ ባይቶ* ሽማግለታት ድማ ይወድስዎ።
33 ንሱ ንኣፍላግ ናብ ምድረ በዳ፡ንዓይኒ ማያት ከኣ ናብ ምድሪ ኣጻምእ ይልውጦ፣+
34 እወ፡ ብሰሪ ኽፍኣት እቶም ዚቕመጥዋ፡+ንፍርያም ምድሪ ናብ ጨዋም ምድሪ ይልውጣ።
35 ንምድረ በዳ፡ ሻምብቆ ናብ ዝመልኦ ራህያታት ማይ፡ንንቑጽ ምድሪ ኸኣ ናብ ዓይኒ ማያት ይልውጦ።+
36 ዚነብሩላ ኸተማ ኺስርቱስ፡+ንጥሙያት ኣብኡ የቐምጦም።+
37 ብዙሕ ፍረ ኺፈርስ፡+ግራውቲ ይዘርኡ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ይተኽሉ።+
38 ንሱ ይባርኾም እሞ ኣዝዮም ይበዝሑ፣ከብቶም ከኣ ኣየውሕደሎምን።+
39 ብሰሪ ጭቈናን መዓትን ጓህን ግና፡ከም ብሓድሽ ይውሕዱን ይዋረዱን።
40 ኣብ ልዕሊ ልዑላን ንዕቀት የፍስስ፣መገዲ ኣብ ዘይብሉ በረኻ እውን ኰለል የብሎም።+
41 ንድኻታት ግና ካብ ጭቈና ይከላኸለሎም፣*+ንዓሌታቶም ከኣ ከም መጓሰ የብዝሖም።
42 ቅኑዓት እዚ ርእዮም ይሕጐሱ፣+ኵሎም ዓመጽቲ ግና ኣፎም ይዓጽዉ።+
43 ጥበበኛ ዘበለ ነዚ ኺዕዘቦ፡+ብተኣማንነት ንዚርአ ፍቕሪ የሆዋ ድማ ተጠንቂቑ ኺሓስቦ እዩ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ሰናይ።”
^ ወይ፡ “ነፍሶም ብድኻም ተወድአት።”
^ ወይ፡ “ንዝጠመየት ነፍሲ እውን ብጽቡቕ ኣጽጊብዋ።”
^ ወይ፡ “ንዝጸምአት ነፍሲ ኣርውይዋ።”
^ ወይ፡ “ነፍሶም ንዅሉ ምግቢ ፈንፈነቶ።”
^ ወይ፡ “ነፍሶም ትመክኽ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “መንበር።”
^ ወይ፡ “ኣብ ላዕሊ የንብሮም።” ማለት፡ ኣብ ዘይብጽሑሉ።