መዝሙር 36:1-12
ንኣላዪ። ናይ ዳዊት እቲ ጊልያ የሆዋ።
36 ኣበሳ ንእኩይ ኣብ ውሽጢ ልቡ ይዛረቦ፣ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን።+
2 ስሕተቱ ኸም ዘይርከብን ከም ዘይጽላእን ገይሩስብኣዒንቱ ንርእሱ ይሽሕጣ።+
3 ቃላት ኣፉ ጐዳእን መታለልን እዩ፣ሰናይ ንምግባር ከኣ ልቦና የብሉን።
4 ኣብ ዓራቱ እኳ ኽፍኣት ይሓስብ።
ጽብቕቲ ኣብ ዘይኰነት መገዲ ይቐውም፣ንኽፉእ ኣይነጽጎን።
5 ኦ የሆዋ፡ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኽሳብ ሰማያት፡+ተኣማንነትካ ድማ ክሳብ ደበናታት ይበጽሕ።
6 ጽድቅኻ ግርማ ኸም ዘለዎ ኣኽራን* እዩ፣+ፍርድታትካ ኸም ገፊሕ መዓሙቝ ማያት እዩ።+
ኦ የሆዋ፡ ንሰብን ንእንስሳን ተንብሮም።*+
7 ኦ ኣምላኽ፡ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኽንደይ ክቡር እዩ!+
ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ፡ ደቂ ሰብ ይምዕቈቡ።+
8 ብብዝሒ ልግሲ* ቤትካ ይረውዩ፣+ካብ ውሒዝ ደስታኻ እውን ተስትዮም።+
9 ምንጪ ህይወት ምሳኻ እዩ፣+ብብርሃንካ ብርሃን ክንርኢ ኽኢልና።+
10 ነቶም ዚፈልጡኻ ብተኣማንነት ኣፍቅሮም፣+ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ከኣ ጽድቅኻ ኣርእዮም።+
11 እግሪ ዕቡይ ኪረግጸኒ፡ኢድ እኩያት ኪሰጕጐኒ ኣይትሕደግ።
12 ገበርቲ ኽፉእ ኣብኣ ወዲቖም፣ተደፊኦም፡ ኪትንስኡ ድማ ኣይክእሉን እዮም።+