ምሳሌ 12:1-28
12 ተግሳጽ ዚፈቱ፡ ፍልጠት ይፈቱ፣+መግናሕቲ ዚጸልእ ግና፡ ዘይሓስብ* እዩ።+
2 ሕያዋይ ሰብ ብየሆዋ ተቐባልነት ይረክብ፣ክፉእ ንዚሓስብ ሰብ ግና ይዅንኖ።+
3 ሳላ እከይ ጸኒዑ ዚቐውም ሰብ የልቦን፣+ጻድቃን ግና ከቶ ኣይኪምሓዉን እዮም።
4 ክኢላ ሰበይቲ፡ ዘውዲ ሰብኣያ እያ፣+ዜሕፍር ዝግብራ ሰበይቲ ግና ኣብ ኣዕጽምቱ ኸም ቍንቍነ እያ።+
5 ሓሳብ ጻድቃን ቅኑዕ እዩ፣መሪሕነት እኩያት ግና መታለሊ እዩ።
6 ቃላት እኩያት ዚቐትል ድብያ እዩ፣*+ኣፍ ቅኑዓት ግና የድሕኖም።+
7 እኩያት ምስ ዚግልበጡ፡ ደጊም ኣይርከቡን፣ቤት ጻድቃን ግና ትቐውም።+
8 ሰብ ብምስትውዓል ኣፉ ይውደስ፣+ጠዋይ ዝልቡ ግና ይንዓቕ።+
9 ካብቲ ንርእሱ ኽብሪ ዚህብን እንጌራ ዘይብሉንሲ፡ትሑትን ሓደ ጊልያ ዘለዎን ይሓይሽ።+
10 ጻድቕ ንእንስሳኡ ይከናኸኖ፣*+እኩያት ግና ምሕረቶም እኳ ጨካን እዩ።
11 ምድሩ ዚሓርስ፡ እንጌራ ይጸግብ፣+ከንቱነት ዚስዕብ ግና ልቢ የብሉን።
12 እኩይ በቲ ኻልኦት እኩያት ዝሓዝዎ ይቐንእ፣ሱር ጻድቃን ግና ፍረ ይፈሪ።
13 ክፉእ ብሓጥእ ዘረባኡ ይፍንጠር፣+ጻድቕ ግና ካብ ጭንቂ የምልጥ።
14 ሰብ ብፍረ ዘረባኡ* ሰናይ ይጸግብ፣+ተግባር ኣእዳዉ ኸኣ ዓስቢ ይህቦ።
15 ንዓሻስ መገዱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ቕንዕቲ እያ፣+ጥበበኛ ግና ምኽሪ ይቕበል።+
16 ዓሻ ብኡብኡ* ሕርቃኑ የርኢ፣+ጐራሕ ግና ንጸርፊ ዕሽሽ ይብሎ።*
17 ብተኣማንነት ዚምስክር፡ ሓቂ* ይነግር፣ሓሳዊ ምስክር ግና ዜታልል ነገር ይዛረብ።
18 ብዘይ ሓልዮት ዚዝረብ ዘረባ ኸም ሰይፊ ይወግእ፣ልሳን ጥበበኛታት ግና የሕዊ።+
19 ሓቀኛ ኸንፈር ንዘለኣለም ትነብር፣+ሓሳዊት ልሳን ግና ንቕጽበት ጥራይ ትጸንሕ።+
20 ኣብ ልቢ እቶም ክፍኣት ዚሓስቡ ምትላል ኣሎ፣እቶም ሰላም ዜስፍኑ* ግና ሓጐስ ኣለዎም።+
21 ንጻድቕ ዋላ ሓደ ጕድኣት ኣይረኽቦን፣+እኩያት ግና መዓት መሊእዎም እዩ።+
22 ሓሰውቲ ኸናፍር ኣብ የሆዋ ፍንፉናት እየን፣+ብተኣማንነት ተግባሮም ዚገብሩ ግና፡ ባህ የብልዎ።
23 ጐራሕ ሰብ ዚፈልጦ ይሓብእ፣ልቢ ዓያሹ ግና ዕሽነት ይድርጕሕ።+
24 ኢድ ትጉሃት ትገዝእ፣+ኣእዳው ሃካያት ግና ብግዲ ይሽቅላ።+
25 ኣብ ልቢ ሰብ ዝሓደረ ጭንቀት ንዕኡ ይኸብዶ፣*+ጽቡቕ ቃል ግና የሐጕሶ።+
26 ጻድቕ መጓሰዪኡ ይምርምር፣ንእኩያት ግና መገዶም ተጋግዮም።
27 ሃካይ ነቲ ዚሃድኖ ኣይጐይዮን፣+ትግሃት ግና ንሰብ ክቡር መዝገቡ እዩ።
28 መገዲ ጽድቂ ናብ ህይወት ትመርሕ፣+ኣብ መገዳ ድማ ሞት የልቦን።
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ዓሻ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ንደም የድቢ።”
^ ወይ፡ “ንነፍሲ እንስሳኡ ይከናኸና።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣፉ።”
^ ወይ፡ “በታ መዓልቲ እቲኣ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ይኸድኖ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ጽድቂ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “እቶም መኸርቲ ሰላም።”
^ ወይ፡ “ይጸቕጦ።”