ምሳሌ 15:1-33

  • ልኡም ምላሽ፡ ነድሪ የህድእ (1)

  • ኣዒንቲ የሆዋ ኣብ ኵሉ ቦታ እየን (3)

  • ጸሎት ቅኑዓት ንኣምላኽ ባህ የብሎ (8)

  • ምኽሪ ኣብ ዘይብሉ፡ ውጥናት ይፈሽል (22)

  • ቅድሚ ምምላስካ ኣስተንትን (28)

15  ልኡም ምላሽ፡ ነድሪ የህድእ፣+ተሪር ቃል ግና፡ ቍጥዓ የለዓዕል።+  2  ልሳን ጥበበኛታት ንፍልጠት ጽቡቕ ገይሩ ይጥቀመሉ፣+ኣፍ ዓያሹ ግና ዕሽነት ይድርጕሕ።  3  ኣዒንቲ የሆዋ ኣብ ኵሉ ቦታ እየን፣ንእኩያትን ንሰናያትን ይቋመታኦም።+  4  ህድእቲ ልሳን* ኦም ህይወት እያ፣+ጠዋይ ዘረባ ግና ተስፋ የቕብጽ።*  5  ዓሻ፡ ተግሳጽ ኣቦኡ ይንዕቕ፣+ጐራሕ ግና መአረምታ* ይቕበል።+  6  ኣብ ቤት ጻድቕ ብዙሕ መዝገብ ኣሎ፣ፍርያት* እኩያት ግና ጭንቂ የምጽእ።+  7  ከናፍር ጥበበኛታት ፍልጠት ይዝርግሓ፣+ልቢ ዓያሹ ግና ከምኡ ኣይኰናን።+  8  መስዋእቲ እኩያት ኣብ የሆዋ ፍንፉን እዩ፣+ጸሎት ቅኑዓት ግና ባህ የብሎ።+  9  የሆዋ ንመገዲ እኩይ ይፍንፍና፣+ጽድቂ ንዚስዕብ ግና የፍቅሮ።+ 10  መገዲ ንዚሓድግ፡ ተግሳጽ ሕማቕ* ይመስሎ፣+መግናሕቲ ዚጸልእ ድማ፡ ይመውት።+ 11  መቓብርን* ቦታ ጥፍኣትን* ኣብ ቅድሚ የሆዋ እዩ።+ ልቢ ሰባት ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ኸምኡ ዘይከውን!+ 12  መላገጺ መአረምታ* ኣይፈቱን።+ ንጥበበኛ ድማ ኣየማኽርን።+ 13  ሕጉስ ልቢ ንገጽ የብርሆ፣ጓሂ ልቢ ግና መንፈስ ይሰብር።+ 14  ዚርዳእ ልቢ ፍልጠት ይደሊ፣+ኣፍ ዓያሹ ግና ዕሽነት ይምገብ።*+ 15  ኵለን መዓልትታት ውጹዓት ክፉኣት እየን፣+ሕጉስ* ልቢ ዘለዎ ግና ብቐጻሊ ድግስ ኣለዎ።+ 16  ካብ ብዙሕ ሃብቲ ምስ ጭንቀትሲ፡*+ሒደት ምስ ፍርሃት የሆዋ ይሓይሽ።+ 17  ካብ ስቡሕ ብዕራይ* ምስ ጽልእስ፡+ጻሕሊ ሓምሊ ምስ ፍቕሪ ይሓይሽ።+ 18  ቍጡዕ ሰብ፡ ባእሲ የለዓዕል፣+ንቝጥዓ ደንጓዪ ግና፡ ቈየቛ የህድእ።+ 19  ጐደና ሃካይ ከም ሓጹር እሾዅ እያ፣+መገዲ ቕኑዓት ግና ከም ጥጥሕቲ ጽርግያ እያ።+ 20  ጥበበኛ ወዲ ንኣቦኡ የሐጕሶ፣+ዓሻ ሰብ ግና ንኣዲኡ ይንዕቃ።+ 21  ልቢ ንዘይብሉ፡ ዕሽነት ሓጐስ እዩ፣+ኣስተውዓሊ ሰብ ግና ትኽ ኢሉ ይኸይድ።+ 22  ምኽሪ ኣብ ዘይብሉ፡ ውጥናት ይፈሽል፣ብብዙሓት ኣማኸርቲ ግና ዕማም ይዕመም።+ 23  ሰብ ብቕኑዕ ምላሽ* ይሕጐስ፣+ብግዜኡ ዚዝረብ ቃል ድማ ክንደይ ኰን ጽቡቕ እዩ!+ 24  መገዲ ህይወት ንብዓል ልቦና ናብ ላዕሊ ትመርሖ፣+ካብቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መቓብር* እውን ተርሕቖ።+ 25  የሆዋ ንቤት ዕቡያት የፍርሳ፣+ንዶብ መበለት ግና ይሕልዎ።+ 26  የሆዋ ንሓሳባት እኩይ ይፍንፍኖ፣+ባህ ዜብል ቃላት ግና ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ እዩ።+ 27  ረብሓ ሸፈጥ ዚረክብ ኣብ ቤተ ሰቡ ጭንቂ* የምጽእ፣+ጉቦ ዚጸልእ ግና ብህይወት ይነብር።+ 28  ልቢ ጻድቕ ቅድሚ ምምላሱ የስተንትን፣*+ኣፍ እኩያት ግና ክፉእ ነገር ይድርጕሕ። 29  የሆዋ ኻብ እኩያት ርሑቕ እዩ፣ንጸሎት ጻድቃን ግና ይሰምዖ።+ 30  ብሩህ ኣዒንቲ* ንልቢ የሐጕሶ፣ጽቡቕ ወረ ኸኣ ንኣዕጽምቲ የደልድሎ።*+ 31  እቲ ህይወት ዚህብ መግናሕቲ ዚሰምዕ፡ኣብ መንጎ ጥበበኛታት ይነብር።+ 32  ተግሳጽ ዚኣቢ፡ ንህይወቱ* ይንዕቃ፣+መግናሕቲ ዚሰምዕ ግና፡ ልቢ የጥሪ።+ 33  ፍርሃት የሆዋ፡ ስልጠና ጥበብ እዩ፣+ቅድሚ ኽብሪ ድማ ትሕትና ኣላ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ፈዋሲት ልሳን።”
ቃ.ቃ.፡ “መንፈስ ይሰብር።”
ወይ፡ “መግናሕቲ።”
ወይ፡ “እቶት።”
ወይ፡ “ከቢድ።”
ወይ፡ “ሲኦልን፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ኣባዶንን።”
ወይ፡ “መግናሕቲ።”
ወይ፡ “ይስዕብ።”
ወይ፡ “ጽቡቕ።”
ወይ፡ “ዕግርግርሲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መብልዕ ማል ካብ እተቐለበ ብዕራይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብምላሽ ኣፉ።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ውርደት።”
ወይ፡ “እንታይ ከም ዚምልስ ተጠንቂቑ ይሓስብ፣ ቅድሚ ምዝራቡ ይሓስብ።”
ወይ፡ “ባህ ዜብል ቈላሕታ።”
ቃ.ቃ.፡ “የስብሖ።”
ወይ፡ “ንነፍሱ።”