ምሳሌ 18:1-24
18 ንርእሱ ዚፈሊ፡ ህርፋኑ ይስዕብ፣ንዅሉ ግብራዊ ጥበብ ከኣ ይነጽጎ።*
2 ዓሻ ብምስትውዓል ባህ ኣይብሎን፣የግዳስ፡ ኣብ ልቡ ዘሎ እዩ ዚቐልዕ።+
3 እኩይ ምስ ዚመጽእ፡ ንዕቀት እውን ይመጽእ፣ምስ ውርደት ድማ ሕስረት ኣሎ።+
4 ቃላት ኣፍ ሰብ ዓሚቝ ማያት እዩ።+
ምንጪ ጥበብ፡ ዚውሕዝ ዛራ እዩ።
5 ምእንቲ እኩይ ኢልካ ኣድልዎ ምግባር፡+ወይ ንጻድቕ ፍትሒ ምኽላእ ጽቡቕ ኣይኰነን።+
6 ዘረባ ዓሻ ናብ ቈየቛ ይመርሕ፣+ኣፉ ድማ መውቃዕቲ ይዕድም።+
7 ኣፍ ዓሻ ጥፍኣቱ እዩ፣+ከናፍሩ ኸኣ መጻወድያ ህይወቱ* እየን።
8 ቃላት ሓማዪ ኸም ጥዑም ኵላሶ እዩ፣*+ምስ ተዋሕጠ ኽሳብ ከብዲ ይወርድ።+
9 ኣብ ዕዮኡ ዚህከ፡ሓው መጥፍኢ እዩ።+
10 ስም የሆዋ ጽኑዕ ግምቢ እዩ።+
ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ ይዕቈብ።*+
11 ንሃብታምሲ ሃብቱ እተዓርደ ኸተማኡ እዩ፣ብሓሳቡ ኸኣ ከም ዜዕቍብ መካበብያ እዩ።+
12 ልቢ ሰብ ቅድሚ ውድቀት ልዑል እዩ።+
ትሕትና ድማ ቅድሚ ኽብሪ እያ።+
13 ከይሰምዐ ዚምልስ፡ዕሽነትን ውርደትን ይዀኖ።+
14 ሰብ ምስ ዚሓምም፡ መንፈሱ ይድግፎ፣+ንእተሰብረ መንፈስ* ግና መን ኪጾሮ ይኽእል፧+
15 ልቢ ብዓል ኣእምሮ፡ ፍልጠት የጥሪ፣+እዝኒ ጥበበኛ ኸኣ ፍልጠት ትደሊ።
16 ንሰብ ህያቡ መገዲ ይኸፍተሉ፣+ናብ ዓበይቲ ድማ የእትዎ።
17 እቲ ሓደ ወገን መጺኡ ኣጸቢቑ ኽሳዕ ዚምርምሮ፡+እቲ ቕድም ጕዳዩ ዜቕርብ ቅኑዕ ይመስል።+
18 ዕጫ ምውዳቕ ንባእሲ መወዳእታ ይገብረሉ፣+ኣብ መንጎ ብርቱዓት ተጻረርቲ ድማ ይውስን።*
19 እተበደለ ሓው ካብ እተዓርደት ከተማ ብዝያዳ ይቃወም፣+ከም ተገዳማት ዕርዲ ዝበለ ባእሲ ኸኣ ኣሎ።+
20 ከብዲ ሰብ ብፍረ ዘረባኡ* ይመልእ፣+ብፍረ ኸናፍሩ ድማ ይጸግብ።
21 ሞትን ህይወትን ኣብ ስልጣን ልሳን እየን፣+እቶም ኪጥቀሙላ ዚፈትዉ፡ ፍሪኣ ይበልዑ።+
22 ሕያወይቲ ሰበይቲ ዚረክብ፡ ጽቡቕ ይረክብ፣+ሞገስ* የሆዋ ኸኣ ይረክብ።+
23 ድኻ ኺዛረብ ከሎ ይልምን፣ሃብታም ግና ብትሪ ይምልስ።
24 ንሓድሕዶም ክፉእ ዚጋበሩ ብጾት ኣለዉ፣+ግናኸ፡ ካብ ሓው ኣብሊጹ ዚለግብ ፈታዊ ኣሎ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ይንዕቆ።”
^ ወይ፡ “ነፍሱ።”
^ ወይ፡ “ብህርፋን ከም ዚውሓጥ እዩ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ልዕል ይብል።” ማለት፡ ኣብ ዘይብጻሕ ውሑስ ቦታ ይኸውን።
^ ወይ፡ “ንፍጹም ቅብጸት።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ንብርቱዓት ይፈላልዮም።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣፉ።”
^ ወይ፡ “ጽቡቕ ፍቓድ።”