ሮሜ 4:1-25

  • ኣብርሃም ብእምነት ጸደቐ (1-12)

    • ኣብርሃም፡ ኣቦ እቶም ዚኣምኑ (11)

  • ብእምነት ዚርከብ ተስፋ (13-25)

4  እምበኣር፡ እቲ ብስጋ ኣቦና ዝዀነ ኣብርሃም እንታይ ረኺቡ ኽንብል ኢና፧ 2  ኣብርሃም ሳላ ግብሪ ጸዲቑ* እንተ ዚኸውንሲ፡ መመክሒ ምረኸበ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣይኰነን። 3  እቲ ቕዱስ ጽሑፍሲ እንታይ ድዩ ዚብል፧ “ኣብርሃም ብየሆዋ* ኣመነ፡ ጽድቂ ዀይኑ ድማ ተቘጽረሉ።”+ 4  ንሓደ ዚገብር ሰብ፡ ዓስቡ ኸም ጸጋ ዘይኰነስ፡ ከም ዚእውዶ ዕዳ እዩ ዚቝጸረሉ። 5  ንሓደ ዘይገብር፡ በቲ ንሓጥእ ዜጽድቕ ደኣ ዚኣምን ሰብ ግና፡ እምነቱ ኸም ጽድቂ እያ እትቝጸረሉ።+ 6  ከምቲ ዳዊት ብዛዕባ ሓጐስ እቲ ኣምላኽ ብዘይ ግብርስ ጽድቂ ዚቘጽረሉ ሰብ ዝበሎ እዩ፦ 7  “እቶም ጥሕሰቶም እተሓድገሎም፡ ሓጢኣቶም እውን እተኸድነሎም፡* ሕጉሳት እዮም፣ 8  የሆዋ* ሓጢኣቱ ዘይቈጽረሉ ሰብ ሕጉስ እዩ።”+ 9  እዛ ሓጐስ እዚኣ ደኣ ንግዙራት ጥራይ ድያ፡ ወይስ ንዘይግዙራት እውን፧+ ከመይሲ፡ “ንኣብርሃም፡ እምነቱ ጽድቂ ዀይና ተቘጽረትሉ” ንብል ኢና።+ 10  መዓስከ እያ እተቘጽረትሉ፧ ምስ ተገዝረ ድያ፡ ወይስ ከይተገዝረ፧ ምስ ተገዝረ ዘይኰነስ፡ ከይተገዝረ እያ። 11  ንዅሎም እቶም ከይተገዝሩ ዚኣምኑ እሞ፡ እዚ እውን ጽድቂ ዚቝጸረሎም ኣቦኦም ምእንቲ ኪኸውን፡+ በታ ኸይተገዝረ ኸሎ ዝነበረቶ እምነት ኣቢሉ፡ ምልክት፡+—ማለት ግዝረት፡—ከም ማሕተም* ጽድቂ ገይሩ ተቐቢሉ እዩ፣ 12  ኣቦ ግዙራት ዘርኢ፡ ማለት ነቶም ዚግዘሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ኣስኣሰር እታ ኣቦና ኣብርሃም+ ከይተገዝረ ኸሎ ዝነበረቶ እምነት ስዒቦም ብስርዓት ዚመላለሱ እውን ኣቦኦም ኰይኑ እዩ። 13  ከመይሲ፡ ኣብርሃም ወይስ ዘርኡ፡ ወራስ ዓለም ኪኸውን እተተስፈወ፡+ ብሕጊ ዘይኰነስ፡ ብእምነት ብዚርከብ ጽድቂ እዩ።+ 14  እቶም ንሕጊ ዚስዕቡ ወረስቲ እንተ ዚዀኑስ፡ እምነት ከንቱ ምዀነት፡ ተስፋ እውን ባዶ ምዀነት። 15  እቲ ሕግስ ቍጥዓ እዩ ዜምጽእ፣+ ኣብቲ ሕጊ ዘይብሉ ግና፡ ኣብኡ ኣበሳ የልቦን።+ 16  ስለዚ፡ እታ ተስፋ ሳላ ጸጋ ምእንቲ ኽትከውን፡+ ብእምነት እያ ዀይና፣ እዚ ኸኣ ንዅሎም ዘርኡ፡+ ማለት ነቶም ንሕጊ ዚስዕቡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ንእምነት እቲ ኣቦ ዅላትና ዝዀነ ኣብርሃም+ ዚስዕቡ እውን ምእንቲ ኽትጸንዕ እዩ። 17  (እዚ ድማ ከምቲ፡ “ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረካ ኣለኹ” ዚብል እተጻሕፈ እዩ።)+ ኣብ ቅድሚ እቲ ንሱ ዝኣመኖ፡ ንምዉታት ህያው ዚገብርን ንዘየሎ ኸም ዘሎ ገይሩ ዚጽውዕን ኣምላኽ ከኣ ኰይኑ። 18  ከምቲ፡ “ዘርእኻ ኸምኡ ኪኸውን እዩ” ዚብል፡+ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ምእንቲ ኪኸውን፡ ተስፋ ኣብ ዘይብሉስ፡ ብተስፋ ኣሚኑ። 19  ብእምነት እኳ እንተ ዘይደኸመ፡ (ኣስታት ወዲ 100 ዓመት ስለ ዝነበረ፡)+ ብዛዕባ እቲ ኸም ምዉት ዝነበረ ሰብነቱን ብዛዕባ ምዉት* ማሕጸን ሳራን ኣስተብሂሉ።+ 20  ግናኸ፡ ሳላ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ፡ ንኣምላኽ ክብሪ እናሃበ ብእምነቱ ደኣ እዩ በርቲዑ እምበር፡ ብዘይምእማን ኣይተወላወለን፣ 21  ነቲ ንሱ ዘተስፈዎ ተስፋ ኺፍጽሞ ኸም ዚኽእል እውን፡ ኣጸቢቑ ኣሚኑ ነይሩ።+ 22  ስለዚ ድማ፡ “ጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ።”+ 23  እታ “ተቘጽረሉ” እትብል ግና፡ ምእንታኡ ጥራይ ኣይኰነትን ተጻሒፋ፣+ 24  የግዳስ፡ ምእንታና፡ ምእንቲ እቶም ዚቝጸረልና እውን እያ፣ ምኽንያቱ፡ በቲ ንየሱስ ጐይታና ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ንኣምን ኢና።+ 25  የሱስ ምእንቲ ኣበሳና ኣሕሊፍካ ተዋሂቡ፡+ ምእንቲ ኽንጸድቕ እውን ተንሲኡ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ጸደቐ” ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ይቕረ እተባህለሎም።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ውሕስነት፣ መረጋገጺ።”
ወይ፡ “መኻን።”