ኢሳይያስ 45:1-25
45 የሆዋ ንቕቡኡ፡ ንቂሮስ፡+ነቲ ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ ኺግዝኡ ኢለ፡+ንነገስታት ዕጥቆም ከፍትሖም* ኢለ፡እቲ ኣፍ ደገታት ከይዕጾስክልተ ዝኽፋሉ መዓጹ ክኸፍተሉ ኢለ፡ብየማነይቲ ኢዱ ዝሓዝክዎ+ ኸምዚ ይብሎ፦
2 “ኣነ ቐቅድሜኻ ክኸይድ፡+ንዅርባታት ከኣ ከጣጥሕ እየ።
መዓጹ ነሓሲ ኽሰባብር፡ተገዳማት ሓጺን ከኣ ክቘርጽ እየ።+
3 ብስምካ ዝጽውዓካ ዘለኹ፡+ኣነ የሆዋ፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ኣብ ጸልማት ዘሎ መዛግብትንኣብ ስቱር ቦታታት ዘሎ ሕቡእ መዛግብትን ክህበካ እየ።+
4 ምእንቲ ያእቆብ ጊልያይን እስራኤል ሕሩየይን፡ብስምካ እጽውዓካ ኣለኹ።
ዘይትፈልጠኒ እኳ እንተ ዀንካ፡ ስም ክብሪ እህበካ ኣለኹ።
5 ኣነ የሆዋ እየ፡ ካልእ እውን የልቦን።
ብዘይካይ ኣምላኽ የልቦን።+
ዘይትፈልጠኒ እኳ እንተ ዀንካ፡ ከበርትዓካ* እየ፣
6 ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ፡*ብዘይካይ ካልእ ከም ዘየልቦምእንቲ ኺፈልጡስ፡ ከምኡ ኽገብር እየ።+
ኣነ የሆዋ እየ፡ ካልእ እውን የልቦን።+
7 ብርሃን እገብር፡+ ጸልማት ከኣ እፈጥር፣+ሰላም እገብር፡+ መዓት ድማ እፈጥር፣+ኣነ የሆዋ ነዚ ዅሉ እገብሮ ኣለኹ።
8 ኣቱም ሰማያት፡ ካብ ላዕሊ ዝነሙ፣+ደበናታት ከኣ ጽድቂ የፍስሱ።
ምድሪ ትከፈት እሞ ድሕነት ተፍሪ፣ጽድቂ እውን ብሓባር ተብቍል።+
ኣነ የሆዋ ፈጢረዮ እየ።”
9 እቲ ምስ ገባሪኡ* ዚብኣስ፡* ወይለኡ፣ንሱስ ገልዒ፡ኣብ መንጎ ኣጋልዕ ምድሪ እዩ!
ካይላዶ ንሰራሕ ካይላ፡* “እንታይ ኢኻ እትገብር ዘለኻ፧” ኪብሎ ይግባእ እዩ።+
ዕዮኻዶኸ፡ “ኣእዳው የብሉን” ኪብል ይግባእ እዩ፧*
10 እቲ ንኣቦ፡ “እንታይ ኢኻ እትወልድ፧” ዚብሎ፡ንሰበይቲ ድማ፡ “እንታይ ኢኺ እትወልዲ፧”* ዚብላ፡ ወይለኡ!
11 የሆዋ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡+ እቲ ዝደኰኖ ኸምዚ ይብል፦
“ብዛዕባ እቲ ዚመጽእዶ ኽትሓትቱኒ ኢኹም፧
ብዛዕባ ደቀይን+ ግብሪ ኣእዳወይንዶ ኽትእዝዙኒ ኢኹም፧
12 ንምድሪ ገይረያ፡+ ንሰብ ድማ ኣብኣ ፈጢረዮ።+
ብኣእዳወይ ሰማያት ገቲረ፡+ንሰራዊቶም ከኣ ትእዛዛት ሂበ።”+
13 “ብጽድቅስ ሰብ ኣተንሲአ፡+ንዅሉ መገዱ ኸኣ ከቕንዖ እየ።
ንኸተማይ ዚሰርሓ፡+ብዘይ ዋጋ ወይ ጉቦ+ ንምሩኻተይ ሓራ ዜውጽኦም ንሱ እዩ”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።
14 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
“መኽሰብ* ግብጽን ሸቐጥ* ኢትዮጵያን እቶም ነዋሕቲ ሳባውያንንናባኻ ኺመጽእን ናትካ ኪኸውንን እዩ።
ብሰንሰለት ተኣሲሮም ደድሕሬኻ ኪኸዱ እዮም።
መጺኦም ኪሰግዱልካ እዮም።+
‘ብርግጽ ኣምላኽ ምሳኻ እዩ፣+ካልእ እውን የልቦን፣ ካልእ ኣምላኽ የልቦን’ ኢሎም ናባኻ ኺጽልዩ እዮም።”
15 ኦ ኣምላኽ እስራኤል፡ ኦ መድሓኒ፡+ብሓቂ ርእስኻ እትሓብእ ኣምላኽ ኢኻ።
16 ኵላቶም ኪሓፍሩን ኪዋረዱን እዮም፣እቶም ገበርቲ ጣኦታት ብውርደት ኪመላለሱ እዮም።+
17 እስራኤል ግና ብናይ ዘለኣለም ድሕነት ብየሆዋ ኺድሕን እዩ።+
ንስኻትኩምሲ ንዘለኣለመ ኣለም ኣይክትሓፍሩን ወይ ኣይክትዋረዱን ኢኹም።+
18 እቲ ፈጣር ሰማያት፡+ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡እቲ ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን፡+እቲ ኺንበረላ እምበር፡ ንኸንቱ* ኢሉ ዘይፈጠራ+የሆዋስ ከምዚ ይብል፦
“ኣነ የሆዋ እየ፡ ካልእ እውን የልቦን።
19 ኣብ ስቱር ቦታ፡ ኣብ ምድሪ ጸልማት ኣይተዛረብኩን፣+ንዘርኢ ያእቆብ፡‘ንኸንቱ ድለዩኒ’ ኣይበልክዎምን።
ኣነ የሆዋ ጽድቂ ዝዛረብን ቅኑዕ ዘበለ ዝነግርን እየ።+
20 ተኣከቡ፡ ንዑ።
ኣቱም ካብ ኣህዛብ ዘምለጥኩም፡ ብሓደ ቕረቡ።+
እቶም ጽሩብ ምስሊ ዚጾሩንኬድሕን ናብ ዘይክእል ኣምላኽ ዚጽልዩን፡ ሓንቲ እኳ ኣይፈልጡን እዮም።+
21 ንገሩ፡ ጕዳይኩም ኣቕርቡ።
ብሓደ ይማኸሩ።
ነዚ ነገር እዚ ቐደም ዘስምዐ፡ካብ ጥንቲ ኸኣ ዝነገረ መን እዩ፧
ኣነ የሆዋ ደይኰንኩን፧
ብዘይካይ ካልእ ኣምላኽ የልቦን፣ብዘይካይ ጻድቕ ኣምላኽን መድሓንን የልቦን።+
22 ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ካልእ እውን የልቦን እሞ፡+ኣቱም ወሰናት ምድሪ ዅላትኩም፡ ናባይ ተመለሱ እሞ ድሓኑ።+
23 ብርእሰይ ምሒለ እየ፣ቃል ጽድቂ ኻብ ኣፈይ ወጺኡ እዩ፣ኣይኪምለስን ድማ እዩ፦+
ኵሉ ብርኪ ኺምብርከኸለይ፡ኵሉ ልሳን እውን ተኣማንነቱ ኺምሕለለይ፡+
24 ከምዚ ድማ ኪብል እዩ፦ ‘ብርግጽ ናይ ሓቂ ጽድቅን ብርታዐንሲ ብየሆዋ እዩ።
ኵሎም እቶም ኣብኡ ዚንድሩ፡ ሓፊሮም ኣብ ቅድሚኡ ኺመጹ እዮም።
25 ኵሉ ዘርኢ እስራኤል ብየሆዋ ቕኑዕ ኪኸውን፡+ብእኡ እውን ኪምካሕ እዩ።’”
እግረ ጽሑፍ
^ ቃ.ቃ.፡ “ሕቘ ነገስታት ክፈትሕ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ከዕጥቐካ።”
^ ወይ፡ “ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ።”
^ ወይ፡ “ምስቲ ዝደኰኖ።”
^ ወይ፡ “ዚማጐት።”
^ ወይ፡ “ንዝሰርሖ።”
^ ወይ፡ “እቲ ኻይላዶ፡ ‘ዕዮኻ መትሓዚ የብሉን’ ኪብል ይግባእ እዩ፧” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ብምንታይ እዩ ቕልውላው ሒዙኪ፧”
^ ወይ፡ “ሸቀልቲ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ነጋዶ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ባዶ ኽትከውን” ኪኸውን ይኽእል።