እዮብ 14:1-22
14 “ሰብ፡ ውሉድ ሰበይቲ፡ሓጺር ዝዕድሚኡን+ ሽግር ዝመልኦን* እዩ።+
2 ከም ዕምባባ ይዕምብብ፡ ይጽምሉ* ኸኣ፣+ከም ጽላሎት ይሃድም፡ ይጠፍእ ድማ።+
3 እወ፡ ኣዒንትኻ ኣብኡ የተኵራ፣ምሳኻ ናብ ፍርዲ ተቕርቦ።*+
4 ካብ ርኹስሲ ንጹህ ኬውጽእ ዚኽእል መን ኣሎ፧+
ሓደ እኳ የልቦን!
5 መዓልትታቱ እንተ ተወሲነን፡ቍጽሪ ኣዋርሑ ምሳኻ እዩ፣ከይሓልፎስ ደረት ጌርካሉ።+
6 ከም ወዓላይ መዓልቱ ኽሳዕ ዚውድእ፡ምእንቲ ኺዓርፍሲ ኻብኡ ናብ ካልእ ጠምት።+
7 ኦም እኳ ተስፋ ኣለዎ።
እንተ ተቘሪጹ፡ መሊሱ ይጥጥዕ፣ውልዶታቱ ምብቋል ኣየቋርጽን።
8 ሰራውሩ ኣብ ምድሪ እንተ ኣሪጉ፡ጕርማጽ ኣብ ሓመድ እንተ ሞይቱ፡
9 ማይ ምስ ጨነዎ ይጥጥዕ፣ከም ሓድሽ ተኽሊ ድማ ጨናፍር የውጽእ።
10 ሰብ ግና ይመውት እሞ ተሰኒፉ በጥ ይብል፣ሰብ ትንፋሱ እንተ ሓሊፋ፡ ኣበይ ኣሎ፧+
11 ካብ ባሕርስ ማያት ይጠፍእ፣ፈለግ እውን ይነጽፍን ይነቅጽን።
12 ሰብ ከኣ በጥ ይብል፡ ኣይትንስእን ድማ።+
ሰማይ ክሳዕ ዘይህሉ ኣይነቕሑን፡ካብ ድቃሶም እውን ኣይትንስኡን።+
13 ኣየ፡ ኣብ መቓብር* እንተ ትሓብኣኒ፡+ቍጥዓኻ ኽሳዕ ዚሓልፍ እንተ ትስውረኒ፡ውሱን ግዜ እንተ ትውስነለይ እሞ እንተ ትዝክረኒ!+
14 ሰብ እንተ ሞይቱ፡ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን ይኽእል እዩ፧+
ራህዋይ ክሳዕ ዚመጽእ፡ኵሉ መዓልትታት ግዴታዊ ኣገልግሎተይ ክጽበ እየ።+
15 ክትጽውዕ፡ ኣነ እውን ክምልሰልካ እየ።+
ንተግባር ኣእዳውካ ኽትናፍቕ* ኢኻ።
16 ሕጂ ግና ስጕምትታተይ ትቘጽር፡ሓጢኣተይ ጥራይ ድማ ትቋመት ኣለኻ።
17 ኣበሳይ ኣብ ከረጺት ተሓቲሙ ኣሎ፣ስሕተተይ እውን ብመጣበቒ ትሓትሞ።
18 ከምቲ ኸረን ወዲቑ ዚጠፍእ፡ከውሒ እውን ካብ ቦታኡ ዚግዕዝ፡
19 ከምቲ ማይ ንኣእማን ዚብሕጕጎ፡ወሓይዙ ኸኣ ንሓመድ ሓጺቡ ዚወስዶ፡ከምኡ ድማ ንስኻ ንተስፋ መዋቲ ሰብ ተጥፍኦ።
20 ክሳዕ ዚጠፍእ ትሕይሎ፣+ትርኢቱ ለዊጥካ ትሰድዶ።
21 ደቁ ይኸብሩ፡ ንሱ ግና ኣይፈልጦን፣ይሓስሩ፡ ንሱ ግና ኣይግንዘቦን።+
22 ብስጋኡ ኽሳዕ ዘሎ ጥራይ እዩ ዚሳቐ፣ብህይወት ክሳዕ ዘሎ ጥራይ እዩ ዚሓዝን።”*
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ነውጺ ዝጸገበን።”
^ ወይ፡ “ይምንቈስ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ቃ.ቃ.፡ “ተቕርበኒ።”
^ ወይ፡ “ሃረር ክትብል።”
^ ወይ፡ “ነፍሱ እትሓዝን።”