ዮናስ 3:1-10

  • ዮናስ ንኣምላኽ ተኣዚዙ ናብ ነነዌ ኸደ (1-4)

  • ሰብ ነነዌ ብመልእኽቲ ዮናስ ተነስሑ (5-9)

  • ኣምላኽ ንነነዌ ኸየጥፍኣ ወሰነ (10)

3  ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ዮናስ ካልኣይ ሳዕ መጸ፦+ 2  “ተንስእ፡ ናብ ነነዌ+ እታ ዓባይ ከተማ ኼድካ፡ እቲ ዝነግረካ መልእኽቲ ኣውጀላ።” 3  ዮናስ ከኣ ንቓል የሆዋ ተኣዚዙ፡+ ተንሲኡ ናብ ነነዌ ኸደ።+ ነነዌ ድማ ኣዝያ ዓባይ ከተማ፡* መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ነበረት። 4  ሽዑ፡ ዮናስ ናብታ ኸተማ ኣተወ፣ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ እናኸደ ድማ፡ “ኣብ 40 መዓልቲ፡ ነነዌ ኽትግልበጥ እያ” ኢሉ ኣወጀ። 5  ሰብ ነነዌ ኸኣ ብኣምላኽ ኣመኑ፣+ ጾም ድማ ኣወጁ፣ ካብ ዓብዪኦም ክሳዕ ንእሽቶኦም እውን ማቕ ተኸድኑ። 6  እዚ መልእኽቲ እዚ ናብ ንጉስ ነነዌ ምስ በጽሐ፡ ካብ ዝፋኑ ተንስአ፡ ባርኖሱ ቐንጠጠ፡ ማቕ ተኸድነ፡ ኣብ ሓምዅሽቲ እውን ተቐመጠ። 7  ኣብ ብዘላ ነነዌ ኸኣ ከምዚ ዚብል ኣዋጅ ኣውጽአ፦ “ብትእዛዝ ንጉስን ልዑላኑን፦ ሰብ ኰነ እንስሳ፡ ከብቲ ዀነ ጤለ በጊዕ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጥዓሙ፡ ኣይብልዑ፡ ማይ እውን ኣይስተዩ። 8  ሰብን እንስሳን ማቕ ይከደኑ፣ ናብ ኣምላኽ ይማህለሉ፣ ካብ እኩይ መገድታቶምን ካብ ተግባር ዓመጻኦምን እውን ይመለሱ። 9  እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ነቲ ኺገብሮ ዝሓለኖ ዳግም እንተ ሓሰበሉ* እሞ ኸይንጠፍእ ካብ ዚነድድ ቍጥዓኡ እንተ ተመልሰ፡ መን ይፈልጥ፧” 10  እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ፡ ካብ እኩይ መገድታቶም ከመይ ከም እተመልሱ ግብሮም ምስ ረኣየ፡+ ነቲ ኼምጽኣሎም ኢልዎ ዝነበረ መዓት ዳግም ሓሰበሉ፣* ኣየምጽኣሎምን እውን።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ንኣምላኽ ዓባይ ዝዀነት ከተማ።”
ወይ፡ “እንተ ተጣዕሰሉ።”
ወይ፡ “ተጣዕሰሉ።”