1 ጴጥሮስ 5:1-14
5 እምበኣር፡ ነቶም ኣብ መንጎኹም ዘለዉ ሽማግለታት፡ ኣነ መሸማግልቶምን ምስክር መከራ ክርስቶስን ተኻፋሊ እቲ ዚግለጽ ክብርን ዝዀንኩ፡+ እዚ እምሕጸኖም* ኣለኹ፦
2 ነቲ ኣብ ትሕቲ ሓልዮትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ሓለውቲ ዄንኩም እናኣገልገልኩም* ጓስይዎ፣+ ግናኸ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብፍታው እምበር፡ ብግዲ ኣይኹን፣+ ብሃንቀውታ እምበር፡ ንዘይግቡእ ረብሓ እውን ኣይኹን፣+
3 ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡+ ኣብቶም ርስቲ ኣምላኽ ዝዀኑ እትጕይተቱ ኣይትኹኑ።+
4 እቲ ሓለቓ ጓሶት+ ምስ ተጋህደ ድማ፡ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም።+
5 ከምኡ ድማ፡ ኣቱም ኣጕባዝ፡ ንዚዓብዩኹም* ተገዝእዎም።+ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ኣብ ዘሎኩም ርክብ ትሕትና ተዓጠቑ።+
6 እምበኣር፡ ብግዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ሓያል ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ።+
7 ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡+ ንዅሉ ጭንቀትኩም* ናብኡ ደርብይዎ።+
8 ቀልብኹም ሓልዉ፡ ንቕሑ!+ ድያብሎስ እቲ መጻርርትኹም ዚውሕጦ ደልዩ፡ ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር ኣሎ።+
9 እዚ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ዅሎም ኣሕዋት* ከም ዚበጽሖም ፈሊጥኩም፡+ ብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ።+
10 ቍሩብ ግዜ መከራ ምስ ጸገብኩም ግና፡ እቲ ምስ ክርስቶስ ብዘሎኩም ሓድነት ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸውዓኩም+ ኣምላኽ ኵሉ ጸጋ፡ ንስልጠናኹም ኪፍጽሞ እዩ። ኬጽንዓኩምን+ ኬበርትዓኩምን+ ኪስርተኩምን እዩ።
11 ንዕኡ ንዘለኣለመ ኣለም ሓይሊ ይኹኖ። ኣሜን።
12 ከተባብዓኩምን እዚ ናይ ሓቂ ጸጋ ኣምላኽ ምዃኑ ኣጸቢቐ ኽምስክረልኩምን ኢለ፡ በቲ ኸም እሙን ሓው ገይረ ዝርእዮ ስልዋኖስ፡*+ ኣሕጽር ኣቢለ ጽሒፈልኩም ኣለኹ። ኣብዚ ጸጋ እዚ ጽንዑ።
13 እታ ኣብ ባቢሎን ዘላ መተሓርይትኹምን ወደይ ማርቆስን+ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
14 ብናይ ፍቕሪ ምስዕዓም ንሓድሕድኩም ሰላም ተባሃሃሉ።
ምስ ክርስቶስ ሓድነት ዘሎኩም ኵላትኩም ሰላም ይሃሉኹም።
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “እምዕዶም።”
^ ወይ፡ “ተጠንቂቕኩም እናሓሎኹም።”
^ ወይ፡ “ንሽማግለታት።”
^ ወይ፡ “ሓልዮትኩም።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሕውነትኩም።”
^ ሲላስ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።