ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣርማጌዶን እንታይ እዩ፧

ገሊኦም ሰባት . . .

ብኑክልየሳዊ ኣጽዋር ወይ ብኸባብያዊ ዕንወት ዜጋጥም ዓለምለኻዊ ጥፍኣት ከም ዝዀነ ይኣምኑ። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣርማጌዶን፡ “ውግእ እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ዚካየደሉ ምሳልያዊ ቦታ እዩ። ኣምላኽ ድማ፡ ኣንጻር እኩያት ሰባት እዩ ኺዋጋእ።—ራእይ 16:14, 16

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • ኣምላኽ፡ ውግእ ኣርማጌዶን ዚዋጋእ፡ ንምድሪ ኼጥፍኣ ኢሉ ዘይኰነስ፡ ብደቂ ሰብ ካብ ምጥፋእ ኬድሕና ኢሉ እዩ።—ራእይ 11:18

  • ውግእ ኣርማጌዶን ንዅሉ ውግኣት መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ።—መዝሙር 46:8, 9

ካብ ውግእ ኣርማጌዶን ምድሓን ይከኣል ድዩ፧

እንታይ ምበልካ፧

  • እወ

  • ኣይፋል

  • ምናልባት

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ካብ ኵሎም ኣህዛብ እተኣከቡ “ብዙሓት ህዝቢ፡” ካብቲ ብውግእ ኣርማጌዶን ዜብቅዕ “ብርቱዕ ጸበባ” ኺድሕኑ እዮም።—ራእይ 7:9, 14

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • ኣምላኽ ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ካብ ኣርማጌዶን ኪድሕኑ እዩ ዚደሊ። ንእኩያት ዜጥፍኦም ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ገይሩ ስለ ዚርእዮ ጥራይ እዩ።—ህዝቅኤል 18:32

  • መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣርማጌዶን ብኸመይ ክትድሕን ከም እትኽእል ይገልጽ።—ጸፎንያስ 2:3