መማሰውቲ ኽንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
መማሰውቲ ኽንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
“ፍቕርቲ ራኬል:
ንዓይ ምንጪ ምትብባዕ ስለ ዝዀንክኒ ኣዝየ እየ ዘመስግነኪ። ዋላ እኳ ንዓኺ እንተ ዘይተፈለጠኪ: እቲ ጽቡቕ ባህርኽን ሕያውነት ዝመልኦ ቓላትክን ብዙሕ እዩ ሓጊዙኒ።”—ጀኒፈር
ዘይተጸበኻዮ ናይ ምስጋና ካርድ ተቐቢልካ ትፈልጥዶ፧ ተቐቢልካ እንተ ኔርካ ባህ ከም ዘበለካ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ከመይሲ: ዋጋ ኸም ዘሎካ ኺስምዓካን ክትምስገንን ምድላይ ባህርያዊ እዩ።—ማቴዎስ 25:19-23
ምስጋናኻ ምግላጽ: ኣብ መንጎ እቲ ኣመስጋንን ምስጋና ዚቕበል ሰብን ጥብቂ ርክብ ይፈጥር። ኣብ ርእሲ እዚ: መማሰዊ ሰብ ኣስኣሰር እቲ ኻልኦት ዚገብርዎ ጽቡቕ ስራሕ የማሱ ዝነበረ የሱስ ክርስቶስ እዩ ዚስዕብ።—ማርቆስ 14:3-9፣ ሉቃስ 21:1-4
እቲ ዜሕዝን ግን: ብቓል ኰነ ብጽሑፍ ሞሳኻ ምግላጽ እናጠፍአ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ዚነብሩ ሰባት “ዘየማስዉ” ኸም ዝዀኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1, 2) እንተ ዘይተጠንቂቕና: እቲ ኣብ ዓለም ሰፊኑ ዘሎ ናይ ዘይምምሳው መንፈስ ነቲ ዘሎና ናይ ምምሳው ባህርይ ኬጥፍኦ ይኽእል እዩ።
ወለዲ ንደቆም: መማሰውቲ ንኪዀኑ ምእንቲ ኺምህርዎም እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ኪወስዱ ይኽእሉ፧ ምስጋናና ኽንገልጽ ዘሎና ንመን ኢና፧ እቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ዘየመስግኑ ኽነሶም መማሰውቲ ኽንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት
ወለዲ ንደቆም ዜድልዮም ነገራት ኬማልኡ ኣበርቲዖም ይዓዩ እዮም። እንተዀነ ግን: ሓድሓደ እዋን እቲ ዚገብርዎ ጻዕሪ ሞሳ ዘይብሉ ዀይኑ ኸም ዝተረፈ ይስምዖም ይኸውን። ነዚ ዅነታት ንምዕራይ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ ሰለስተ ኣገደስቲ ነገራት ኪገብሩ ይኽእሉ።
(1) ኣብነት:- ቈልዑ ንምስልጣን እቲ ውጽኢታዊ ዝዀነ መገዲ: ጽቡቕ ኣብነት ምዃን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓንቲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረት ጻዕራም ኣደ: “ደቃ ይትንስኡ ብርኽቲ ኸኣ ይብልዋ” ኢሉ ይዛረብ። እቶም ደቃ ሞሳኦም ምግላጽ ካብ መን እዮም ተማሂሮምዎ፧ ኣብታ ጥቕሲ ዚርከብ ዝተረፈ ሓሳባት ናይዚ መልሲ ይሕብረና እዩ። “ሰብኣያ ድማ . . . ይንእዳ” ይብል። (ምሳሌ 31:28) እቶም ንሓድሕዶም ዚመሳገኑ ወለዲ: ከምዚ ዝኣመሰለ ምስጋና ነቲ ዚምስገን ሰብ ሓጐስ ከም ዜምጽኣሉ: ርክብ ስድራ ቤት ከም ዜመሓይሽ: ከምኡውን ምልክት ብስለት ከም ዝዀነ ንደቆም የርእይዎም።
ስቲቨን ዝስሙ ኣቦ: “ብዓልቲ ቤተይ ምግቢ ኸተዳልወልና ኸላ ብምምስጋን: ንደቀይ ኣብነት ክዀነን እጽዕር እየ” በለ። እንታይ ውጽኢትከ ረኸበ፧ “እተን ክልተ ደቀይ ነዚ ኣስተብሃላሉ: ሞሳአን ንምግላጽ ዝያዳ ንቑሓት ንኪዀና ድማ ሓገዘን” በለ። ብዓል ሓዳር እንተ ዄንካ: ነቲ ብዓልቲ ቤትካ መዓልታዊ እትዓዮ ንኣሽቱ ነገራት ብቐጻሊ ምስጋናኻ ትገልጽዶ፧ ደቅኻ ኺገብርዎ ዚግብኦም ነገር እኳ እንተ ገበሩ: አመስግነኩም ትብሎምዶ፧
(2) ስልጠና:- ናይ ምስጋና ባህርይ ልክዕ ከም ዕምባባታት እዩ። ጽቡቕ ፍረ ንኺህልዎ ኪዅስኰስ የድሊ። ወለዲ ንደቆም: ሞሳ ናይ ምግላጽ ባህርይ ንኼማዕብሉ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧ እቲ ጥበበኛ ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን: “ልቢ ጻድቕ ዚመልሶ ይሐስብ” ኢሉ ብምጽሓፍ ሓደ ኣገዳሲ ረቛሒ ኣጕልሐ።—ኣቱም ወለዲ: ደቅኹም ዝዀነ ይኹን ህያብ ኪቕበሉ ኸለዉ: ነዚ ህያብ እዚ እተገብረሉ ጻዕርን ብእኡ እተራእየ ልግስን ንኺሓስቡ ተሰልጥንዎምዶ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ምስትንታን ልክዕ ከምቲ ዕምባባታት ኪዓብየሉ ዚኽእል ሓመድ ኰይኑ ምስጋናና ንኺዓቢ ይገብር። ሰለስተ ቘልዑ ዘዕበየት ማርያ: “ሓደ ሰብ ንደቅኻ ህያብ ኪህቦም ከሎ: ብዛዕባኦም ከም ዚሓስብን ከም ዚግደሰሎምን ዜርኢ ምዃኑ: ምስኦም ኮፍ ኢልካ ንኸተረድኦም ግዜ ይሓትት እዩ። ይኹን እምበር: እቲ ዚግበር ጻዕሪ ዓስቢ ኸም ዘለዎ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ” በለት። ከምዚ ዝኣመሰለ ምይይጥ: ቈልዑ ምስጋናኦም ኪገልጹ ኸለዉ እንታይ ኪብሉ ኸም ዘለዎም ጥራይ ዘይኰነስ: ስለምንታይ ከምኡ ኺብሉ ኸም ዚግባእ ኪፈልጡ ይሕግዞም።
ጥበበኛታት ወለዲ: ቈልዑ እተዋህቦም ኵሉ ጽቡቕ ነገራት ንዕኦም ጥራይ ከም ዚግብኦም ኰይኑ ኺስምዖም ከም ዘይብሉ ይገልጹሎም እዮም። a እቲ ኣብ ምሳሌ 29:21 ዚርከብ ብዛዕባ ባሮት ዚዛረብ መጠንቀቕታ: ኣብ ውሉዳት እውን ይውዕል እዩ። እታ ጥቕሲ: “እቲ ኻብ ንእስነቱ ጀሚሩ ብሕንቃቐ ዝዐበየ ባርያ ኣብ መወዳእታ ውሉድ [“ዘይመማሰዊ:”NW] ይኸውን” ትብል።
ንኣሽቱ ቘልዑ መመስገንቲ ንኪዀኑ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧ ሊንዳ እትበሃል ኣደ ሰለስተ ቘልዑ: “ኣብቲ ኣነን ብዓል ቤተይን እንጽሕፎ ናይ ምስጋና ካርድታት: ደቅና ስእሊ ብምስኣል ወይ ስሞም ብምጽሓፍ ኣበርክቶ ንኺገብሩ ነተባብዖም ኢና” በለት። ሓቂ እዩ: እቶም ቈልዑ ዚስእልዎ ስእልታት ተራ ከምኡውን ጽሕፈቶም ንምንባብ ዜጸግም ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ እንተዀነ ግን: ካብዚ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም።
(3) ጻዕሪ:- ኵላትና ዝወረስናዮ ናይ ስስዐ ዝንባለ: ንኸይነማሱ ይዓግተና ይኸውን። (ዘፍጥረት 8:21፣ ማቴዎስ 15:19) እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ “በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ክትሕደሱ . . . ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ” ብምባል ይምሕጸኖም።—ኤፌሶን 4:23, 24
ይኹን እምበር: ተመክሮ ዘለዎም ወለዲ ንደቆም ‘ሓድሽ ሰብ ንኺለብሱ’ ምሕጋዝ: ቀሊል ከም ዘይኰነ ይፈልጡ እዮም። እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ስቲቨን: “ደቅና ብናይ ርእሰን ተበግሶ ንኼመስግና ምምሃር ነዊሕ ግዜ እዩ ዚወስድ” በለ። ንሱን ሰበይቱን ግን ተስፋ ኣይቈረጹን። ኣስዕብ ኣቢሉ: “ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ደቅና ነዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ ልበን ኣሕደራኦ። ሕጂ በቲ ንኻልኦት ዜርእያኦ ሞሳ ኣዚና ኢና እንሕበን” በለ።
ንፈተውትናን ንጐረባብትናንከ፧
ሓድሓደ እዋን ዘይነመስግነሉ ምኽንያት: ዘይመማሰውቲ ስለ ዝዀንና ዘይኰነስ ስለ ዝረሳዕናዮ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብውሽጥና ምድናቕ ጥራይ ዘይኰነስ ምስጋናና ምግላጽ ክሳዕ ክንድዚ ኣገዳሲ ድዩ፧ ናይዚ መልሲ ንምርካብ: ብዛዕባ የሱስን እተወሰኑ ለምጻማትን ዚገልጽ ፍጻመ እስከ ንርአ።
የሱስ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ከሎ: ዓሰርተ ለምጻማት ተጓነፍዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ድምጾም ዓው ኣቢሎም፤ ዎ የሱስ መምህር: ምሐረና: በልዎ። ንሱ ርእይዎም፤ ኪዱ: ርእስኹም ንኻህናት ኣርእዩ: በሎም። ኰነ ኸኣ: ኪኸዱ ኸለዉ: ነጽሁ። ካባታቶም ሓደ ኸኣ ከም ዝሐወየ ምስ ረአየ: ድምጹ ዓው ኣቢሉ ንኣምላኽ እናኣመስገነ ተመልሰ። እናኣመስገኖ ኸኣ ኣብ እግሩ ብገጹ ተደፍኤ። ንሱ ኸኣ ሳምራዊ እዩ።”—ሉቃስ 17:11-16
የሱስ እቶም ካልኦት ምስጋናኦም ዘይምግላጾም ዕሽሽ ኢልዎዶ፧ እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብል:- “የሱስ ግና፤ ዝነጽሁስ ዓሰርተ ደይኰኑን፧ እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ አለዉ፧ ብጀካ እዚ ኻልእ ዝዓሌቱስ ንኣምላኽ ክብሪ ኺህብ እተመልሰዶ የልቦን፧ ኢሉ መለሰ።”—ሉቃስ 17:17, 18
እቶም ዝተረፉ ትሽዓተ ለምጻማት ክፉኣት ኣይነበሩን። ኣቐድም ኣቢሉ: ኣብ የሱስ ዝነበሮም እምነት
ብግልጺ ኣርእዮምን ነቲ ናብ የሩሳሌም ተጓዒዞም ርእሶም ንኻህናት ንኼርእዩ እተዋህቦም መምርሒ ብፍታው ተኣዚዞምን እዮም። ይኹን እምበር: ነቲ የሱስ ዝገበረሎም ሕያውነት ብውሽጦም ዓሚቝ ሞሳ እኳ እንተ ነበሮም: ሞሳኦም ግን ኣይገለጽሉን። እቲ ተግባሮም ንክርስቶስ ኣጕሃዮ። ንሕናኸ ሓደ ሰብ ጽቡቕ ነገር ኪገብረልና ኸሎ: አመስግነካ ንምባልን ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ ናይ ምስጋና ካርድ ንምልኣኽን ቅልጡፋት ዲና፧መጽሓፍ ቅዱስ: ፍቕሪ “ስዲ ኣይኮነትን፥ ንኣይ ይጥዓመኒ ብዚብል ኣይትምራሕን እያ” ይብለና። (1 ቈረንቶስ 13:5 ትርጕም 1990) ስለዚ: ልባዊ ዝዀነ መግለጺ ምስጋና ምልክት ጽቡቕ ባህርይ ጥራይ ዘይኰነስ: ፍቕሪ ኸም ዘሎካ እውን ዜርኢ እዩ። ሓደ ንክርስቶስ ኬሐጕስ ዚደሊ ሰብ: ዜግነት: ዓሌት: ሃይማኖት ከይፈለየ ንዅሎም ፍቕርን ኣድንቖትን ኬርኢ ኸም ዚግባእ: ካብቲ ብዛዕባ እቶም ለምጻማት ዚገልጽ ፍጻመ ንመሃር ኢና።
‘ንጐረቤተይ: ንመሳርሕተይ: ንመማህርተይ: ንሰራሕተኛ ሆስፒታል: ንብዓል ድኳን: ወይ ንኻልኦት ዝሓገዙኒ ሰባት ንመወዳእታ ግዜ ዘመስገንኩሉ መዓስ እዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ንሰባት ክንደይ ሳዕ አመስግነካ ኸም ዝበልካዮም ወይ ናይ ምስጋና ካርድ ከም ዝጸሓፍካሎም ንሓደ ወይ ንኽልተ መዓልቲ ንምንታይ ዘይትምዝግቦ፧ ከምዚ ምግባርካ: ምስጋና ብምግላጽ ዝመጸ ኣብ ኣየናይ መዳይ ከተመሓይሽ ከም ዘሎካ ንኽትፈልጥ ይሕግዘካ።
ብርግጽ: እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ምስጋናና ዚግብኦ የሆዋ ኣምላኽ እዩ። ንሱ ወሃቢ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን” እዩ። (ያእቆብ 1:17) ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንዓኻ ብብሕቲ ዝገበረልካ ነገራት: ካብ ልቢ ምስጋናኻ ዝገለጽካሉ ናይ መወዳእታ እዋን ትዝክሮዶ፧—1 ተሰሎንቄ 5:17, 18
ካልኦት ዘየማስዉ እኳ እንተ ዀኑ: መማሰውቲ ኽንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
ንሕና መማሰውቲ እኳ እንተ ዀንና: ካልኦት ግን ተመሳሳሊ ምላሽ ኣይህቡን ይዀኑ። እሞኸ ደኣ ኻልኦት ዘየማስዉ ኽነሶም: መማሰውቲ ኽንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ሓደ ምኽንያት ጥራይ እስከ ንርአ።
ነቶም ዘየማስዉ ሰባት ሰናይ ብምግባር: ነቲ ሕያዋይ ዝዀነ ፈጣሪና የሆዋ ኣምላኽ ኢና እንመስሎ። ንሱ: ብዙሓት ሰባት ነቲ ዘርኣዮም ፍቕሪ ብዘይምምሳዎም: ንዕኦም ሰናይ ካብ ምግባር ኣየቋረጸን። (ሮሜ 5:8፣ 1 ዮሃንስ 4:9, 10) “ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ: ንጻድቃንን ሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም” እዩ። ኣብዛ ዘይመማሰዊት ዓለም እናነበርና ኽነስና ሞሳ ንምርኣይ ምስ እንጽዕር: ‘ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦና’ ኸም ዝዀንና ኢና እነርኢ።—ማቴዎስ 5:45
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብዙሓት ወለዲ ምስ ደቆም ኰይኖም ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስታ መጽሓፍ የንብብዋን ይመያየጡላን እዮም። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ምዕራፍ 18 “ተመስግን ዲኻ፧” ዚብል ኣርእስቲ ኣለዋ።
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ንሰባት ክንደይ ሳዕ አመስግነካ ኸም ዝበልካዮም ንሓደ ወይ ንኽልተ መዓልቲ መዝግብ
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
መማሰዊ ብምዃን ንደቅኻ ኣብነት ኩኖም
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ንኣሽቱ ቘልዑ እውን ከይተረፉ መማሰውቲ ንኪዀኑ ኺስልጥኑ ይኽእሉ እዮም