ቃየል ካበይ እዩ ሰበይቲ ረኺቡ፧
መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
እቲ በዅሪ ወዲ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዝዀነ ቃየል ንሓንቲ ኻብ ኣሓቱ ወይ ንሓንቲ ናይ ቀረባ ዘመዱ እዩ ተመርዕዩ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቃየልን ቤተ ሰቡን ዚብሎ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ናብዚ መደምደምታ እዚ ኽንበጽሕ ንኽእል ኢና።
ብዛዕባ ቃየልን ቤተ ሰቡን እንፈልጦ ጭቡጥ ሓቅታት
ኵሎም ደቂ ሰብ ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን እዮም። ኣምላኽ “ካብ ሓደ ሰብ [ኣዳም] ኣብ ልዕሊ ዅላ ገጽ ምድሪ ኺነብሩ፡ ኵሉ ህዝቢ ገይሩ እዩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:26) ሄዋን ሰበይቲ ኣዳም ከኣ “ኣደ ዅሉ ህያው” እያ። (ዘፍጥረት 3:20) ስለዚ፡ ቃየል ሓንቲ ኻብ ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ተመርዕዩ ኪኸውን ኣለዎ።
ሄዋን ድሕሪ ቃየልን ኣቤልን ብዙሓት ውሉዳት ወሊዳ እያ። (ዘፍጥረት 4:1, 2) ቃየል ንሓዉ ብምቕታሉ ምስ ተሰጕጐ፡ “ዚረኽበኒ ዘበለ እውን ብርግጽ ኪቐትለኒ እዩ” ኢሉ ጠሪዑ እዩ። (ዘፍጥረት 4:14) ቃየል ንመን እዩ ፈሪሁ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣዳም “ኣወዳትን ኣዋልድን . . . ወለደ” ይብል። (ዘፍጥረት 5:4) ስለዚ እምበኣር፡ ካልኦት ደቂ ኣዳምን ሄዋንን ንቃየል ስግኣት ኰይኖምዎ ነይሮም ማለት እዩ።
ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ ቤተ ሰብካ ምምርዓው ዘይልሙድ ኣይነበረን። ንኣብነት፡ እቲ እሙን ኣብርሃም፡ ጓል ኣቦኡ ተመርዕዩ እዩ። (ዘፍጥረት 20:12) እቲ ንኸምዚ ዓይነት መርዓ ዚኽልክል ናይ ፈለማ ሕጊ ኻብ ግዜ ቃየል ዘመናት ጸኒሑ ኣብ ሕጊ ሙሴ እዩ ተሓጊጉ። (ዘሌዋውያን 18:9, 12, 13) ኣብቲ ግዜ እቲ ኻብ ቀረባ ኣዝማድ ዚውለዱ ቘልዑ፡ ከምዚ ሕጂ ዚርአ ዓይነት ካብ ዚውለዱ ኣትሒዙ ዜጋጥም ኣበራት ብብዝሒ ዘየጋጥሞም ዝነበረ እዩ ዚመስል።
መጽሓፍ ቅዱስ ንዛንታ ኣዳምን ሄዋንን ስድራ ቤቶምን ከም ልክዕ ታሪኽ ገይሩ ኣቕሪብዎ ኣሎ። ክሳዕ ኣዳም ዚበጽሕ ሓረግ ወለዶ ኣብቲ ሙሴ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ዘፍጥረት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ጽሑፋት እቶም እዝራን ሉቃስን ዚብሃሉ ጸሓፍቲ ታሪኽ እውን ይርከብ እዩ። (ዘፍጥረት 5:3-5፣ 1 ዜና መዋእል 1:1-4፣ ሉቃስ 3:38) ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንዛንታ ቃየል ከም ታሪኻዊ ፍጻመ እዮም ዚጠቕስዎ።—እብራውያን 11:4፣ 1 ዮሃንስ 3:12፣ ይሁዳ 11።