ጠላዕ ሓጢኣት ድዩ፧
መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጠላዕ ወይ ቁማር ብዝርዝር ዘይገልጽ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣምላኽ ንጠላዕ ሓጢኣት ገይሩ ኸም ዚርእዮ ኻብ መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከነስተውዕል ንኽእል ኢና።—ኤፌሶን 5:17። a
ጠላዕ ካብቲ ኣምላኽ ዚጸልኦ ስስዐ እዩ ዚብገስ። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ ኤፌሶን 5:3, 5) ተጣላዕቲ ብኽሳራ ኻልእ ኪኸስቡ ተስፋ ይገብሩ እዮም፣ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ንንብረት ሰብ ምትምናይ ይዅንኖ እዩ።—ዘጸኣት 20:17፣ ሮሜ 7:7፣ 13:9, 10።
ጠላዕ፡ ዋላ እኳ ብንእሽቶ ገንዘብ እንተ ዀነ፡ ዜጥፍእ ፍቕሪ ገንዘብ ኬለዓዕል ይኽእል እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10።
ተጣላዕቲ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ማሪት ወይ ዕድል ይኣምኑ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ኣምላኽ ነዚ ምስ ኣምልኾኡ ዘይሳነ ዓይነት እምነት ከም ኣምልኾ ጣኦት ገይሩ ይርእዮ እዩ።—ኢሳይያስ 65:11።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዘይጸዓርካሉ ኽትረክብ ኣብ ክንዲ እትምነ፡ ክትጽዕር እዩ ዜተባብዕ። (መክብብ 2:24፣ ኤፌሶን 4:28) ንሰባት ከኣ፡ “እናዓየዩ እንጌራኦም ኪበልዑ” እዩ ዚምዕድ።—2 ተሰሎንቄ 3:10, 12።
ጠላዕ ናይ ምትህልላኽ መንፈስ የለዓዕል እዩ፣ ነዚ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ይዅንኖ እዩ።—ገላትያ 5:26።
a ኣብቲ እቶም ሮማውያን ወተሃደራት ብስስዐ ተላዒሎም ንኽዳን የሱስ ዕጫ ዘውደቑሉ ወይ እተጣልዑሉ እዋን ጥራይ እዩ ጠላዕ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ።—ማቴዎስ 27:35፣ ዮሃንስ 19:23, 24።