ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ወለደይ ማሕበራዊ መራኸቢ ኽጥቀም እንተ ዘይፈቐዱለይከ፧

ወለደይ ማሕበራዊ መራኸቢ ኽጥቀም እንተ ዘይፈቐዱለይከ፧

 ኵሎም ኣዕሩኽካ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣለዎም፣ ወግሐ ጸብሐ እውን ብዛዕባኡ እዮም ዚዛረቡ። ንስኻ ስለ ዘይብልካ ኸኣ፡ የላግጹልካ ይዀኑ። ብዛዕባ እቲ ዅነታት እንታይ ኢኻ ኽትፈልጥ ዘሎካ፧ እንታይከ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧

ክትፈልጦ ዘሎካ

 በይንኻ ኣይኰንካን። ብዙሓት ወለዲ ንደቆም፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ኺጥቀሙ ኣይፈቕዱሎምን እዮም። ከምኡ ንምግባር ዚውስኑ፡ ማሕበራዊ መራኸቢ እዚ ዚስዕብ ሳዕቤናት ስለ ዘለዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ፦

  •   ሕዱር ጭንቀትን ካልእ ኣእምሮኣዊ ጸገማትን የምጽእ።

  •   ንስእለ ጽዩፍ፡ ንጾታዊ መልእኽትታት፡ ብኢንተርነት ንዚግበር መጥቃዕቲ የቃልዕ።

  •   ኣብ መንጎ ፈተውቲ ዘየድሊ ጸገማት ይፈጥር።

 ብዙሓት መንእሰያት፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ኸይጥቀሙ ወሲኖም ኣለዉ። ካብ ጥቕሙ፡ ጕድኣቱ ኸም ዚበዝሕ ባዕላቶም ኬስተውዕሉ ኽኢሎም እዮም። ነዞም ዚስዕቡ ናይ ሓቂ ኣብነታት እስከ ንርአ

  •   ፕሪሲላ ኣብ ጽቡቕ መዓላ ኸተውዕሎ እትኽእል ዝነበረት ግዜ ኸም ዚሰርቃ ኽትግንዘብ ክኢላ።

  •   ጀረሚ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢኡ ዚረኽቦ ነገራት ኪቈጻጸሮ ዘይክእሎ ምዃኑ ኣየሐጐሶን።

  •   በታኒ ኣብ ነገር እንዳ እማታ እምብዛ ኸም እተተኵር ይገብራ ኸም ዘሎ ኣስተብሂላ።

 “ንኣፕሊኬሽን ማሕበራዊ መራኸቢ ኽድምስሶ ወሲነ፣ እዚ ውሳነይ የሐጕሰኒ እዩ። ዋላ ሓንቲ ኣይጐደለንን፣ ኣብቲ ንዓይ ብዝያዳ ዜገድሰኒ ነገራት ከተኵር ምኽኣለይ ባህ እዩ ዚብለኒ።”—ሲየራ።

 “ማሕበራዊ መራኸቢ ወልፊ ኪኸውን ከም ዚኽእል፡ ብዛዕባ እቲ ዝልጥፎ ነገራት ከኣ ሰባት ዚብልዎ እምብዛ ዜተሓሳስበኒ ምዃኑ ኣይፈቶኽዎን። ነቲ ኣካውንት ምድምሳስ ቀሊል ኣይነበረን፣ ከምኡ ምስ ገበርኩ ግና ብኡብኡ እፎይታ እዩ ተሰሚዑኒ። ካብኡ ምስ ተገላገልኩ፡ ሰላም እየ ረኺበ።”—ኬት።

ክትገብሮ እትኽእል

 ምስቲ ወለድኻ ዘውጽእዎ ሕግታት ተሓባበር። ከይተቘጣዕካ ወይ ከየማረርካ በቲ ዘውጽእዎ ሕግታት ንምምልላስ ዜኽእል ብስለት ከም ዘሎካ ኣርእዮም።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ዓሻ ንዅሉ ስምዒቱ ይድርጕሖ፣ ጥበበኛ ግና ብህድኣት ይቈጻጸሮ።”—ምሳሌ 29:11

 ገሊኦም ሰባት፡ ወለድኻ ኸይፈለጡ ማሕበራዊ መራኸቢ ኽትጥቀም ወይ ሕቡእ ኣካውንት ክትከፍት ይመኽሩኻ ይዀኑ። እዚ ግና ጌጋ እዩ! ሕቡእ ነገር ምግባር፡ ጭንቀትን በደለኛነትን ከም ዚስምዓካ እዩ ዚገብር። ወለድኻ እንተ ፈሊጦም ከኣ፡ ኣብ ዓብዪ ሽግር ኢኻ እትኣቱ። ድሕሪኡ፡ ብቐሊሉ ኣይኪኣምኑኻን እዮም።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽንነብር [ንደሊ ኢና]።”—እብራውያን 13:18

 ነቲ ውሳነ ናትካ ግበሮ። ከምዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ መንእሰያት፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ንዘይምጥቃም ዚድርኽ ሓያሎ ምኽንያታት ክትሓስብ ትኽእል ትኸውን። ማሕበራዊ መራኸቢ ንዓኻ ኸም ዘይኰነካ እንተ ነጺሩልካ፡ ኣብ ውሳነ ወለድኻ ተመርኲስካ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቲ ውሳነ ናትካ ስለ ዝዀነ እውን ካብኡ ርሓቕ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ መዛኑኻ ብዛዕባኡ ኺሓትቱኻ ኸለዉ፡ በቲ ውሳነ ኣይክትሓፍርን ኢኻ። ንሳቶም እውን ኣይኬላግጹልካን እዮም።

 ቀንዲ ነጥቢ፦ ምስ ወለድኻ ተሓባበር፣ ነቲ ውሳነኦም ድማ ናትካ ውሳነ ንምግባር ጽዓር። እንተ ወሓደ ንሕጂ፡ ብዘይ ማሕበራዊ መራኸቢ ኽትጸንሕ ትኽእል ኢኻ።