ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽዮናውያን ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽዮናውያን ድዮም፧

 ኣይኰኑን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እምነታቶም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ክርስትያናት እዮም። ከምቲ ገሊኦም ሃይማኖታት ዚምህርዎ፡ ኣይሁድ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤም ምስፋሮም ፍጻመ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትንቢት ከም ዝዀነ ኣይምህሩን እዮም። እዚ ሕጂ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት፡ ኣቐዲሙ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ትንቢት ከም ዝዀነ እውን ኣይኣምኑን እዮም። ቅዱሳት ጽሑፋት ንዝዀነ ሰብኣዊ መንግስቲ ኣይድግፍን፡ ወይ ከኣ ንዝዀነ ዓሌት ወይ ህዝቢ ኻብ ካልኦት ክብ ኣየብልን እዩ። እታ ወግዓዊት መጽሔት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነት ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ንፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ጽዮንነት ዚድግፍ ዋላ ሓደ ቕዱስ ጽሑፍ መርትዖ የልቦን” ዚብል ዘየማትእ መረጋገጺ ሂባ እያ።

 ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ፡ ንጽዮንነት፡ “ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤም ኣይሁዳዊ ማሕበረሰብ ንምፍጣርን ንምውዳብን ዓሊሙ ዝቘመ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣይሁድ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። ፖለቲካውን ሃይማኖታውን መሰረት ዘለዎ ድማ እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጽዮንነት ከም ሃይማኖታዊ ሰረተ እምነት ገይሮም ኣይቕበልዎን እዮም፣ ካብ ዝዀነ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ጽዮንነት ከኣ ገለትነቶም ይሕልዉ እዮም።

 ውድብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሃይማኖታዊ ውድብ ጥራይ እያ፣ ከም ጽዮንነት ዝኣመሰለ ዋላ ሓደ ዓይነት ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ድማ ኣይትድግፍእ እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኢዶም ከም ዘየእትዉ ብዙሓት ይፈልጡ እዮም። ኣብ ገሊኡ ሃገራት እሞ ኸኣ ብሰንኪ ገለትነቶም ከቢድ መቕጻዕቲ ወሪድዎም እዩ። ኣብ ምድሪ ነባሪ ሰላም ከተምጽእ እትኽእል፡ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እምበር ዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ መንግስቲ ወይ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ከም ዘይኰነ ንኣምን ኢና።

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝዀነ ቦታ ይንበሩ ብዘየገድስ፡ ንሕግታት ምድራዊ መንግስታት ምእዛዝ መሰረታዊ ስርዓት ሃይማኖታዊ እምነታቶም እዩ። ኣንጻር ስልጣን መንግስታት ኣይልዓሉን እዮም፣ ኣብ ውግእ እውን ኣይሳተፉን እዮም።