ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንደቆም ሃይማኖቶም ኪስዕቡ ይግድድዎም ድዮም፧
ኣይፋልን። ንኣምላኽ ምምላኽ ወይ ዘይምምላኽ ብሕታዊ ውሳነ እዩ። (ሮሜ 14፡12) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንደቆም መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይምህርዎም እዮም፣ ኰይኑ ግና፡ ነፍሲ ወከፍ ውሉድ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኪኸውን ዚደሊ እንተ ዀይኑ ባዕሉ ኺውስን ኣለዎ።—ሮሜ 12:2፣ ገላትያ 6:5።
ከምቲ ብዙሓት ወለዲ ዚምነይዎ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ንደቆም ጽቡቕ እዮም ዚምነዩሎም። ንደቆም ይጠቕሞም ኢሎም ዝኣመኑሉ ነገራት ይምህርዎም እዮም፣ ንኣብነት፡ ክእለታትን ስነ ምግባራዊ ስርዓታትን ሃይማኖታዊ እምነታትን ይምህርዎም እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዝበለጸ ህይወት ክንመርሕ ከም ዚሕግዘና ይኣምኑ እዮም፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ምስ ደቆም መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብምእካብን፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣልባብ ደቆም ኬስርጽዎ ይጽዕሩ እዮም። (ዘዳግም 6:6, 7) ነፍሲ ወከፍ ውሉድ ምስ ዓበየ ሃይማኖት ወለዱ ንምስዓብ ወይ ንዘይምስዓብ ኣብ ፍልጠት እተመስረተ ውሳነ ኺገብር ይኽእል እዩ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሕጻናት የጥምቑ ድዮም፧
ኣይፋልን። መጽሓፍ ቅዱስ ንጥምቀት ሕጻናት ኣይድግፎን እዩ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ቅድሚ ምጥማቖም ነቲ መልእኽቲ ‘ተሓጒሶም ከም እተቐበልዎን’ ከም እተነስሑን ይገልጽ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:14, 22, 38, 41) ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ምእንቲ ኺጥመቕ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ኺርድኦን ኪኣምነሉን ብእኡ ንምምልላስ ውሳነ ኺገብርን ዜኽእል ዕድመ ኺበጽሕ ኣለዎ። ሓደ ሕጻን ነዚ ስጕምትታት እዚ ኺወስድ ኣይክእልን እዩ።
ቈልዑ ምስ ዓበዩ፡ ንምጥማቕ ኪውስኑ ይኽእሉ እዮም። ከምኡ ንምግባር ግና ርዝነት እቲ ዚኣትውዎ ዘለዉ መብጽዓ ኺርድኦም ኣለዎ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ደቆም ኪጥመቑ እንተ ዘይደልዮም፡ የርሕቕዎም ድዮም፧
ኣይፋልን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ውሉዶም ንሃይማኖቶም ስለ ዘይተቐበለ ይጕህዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንውሉዶም ግና ይፈትውዎ እዮም፣ ውሉዶም ናይ የሆዋ ምስክር ስለ ዘይኰነ ጥራይ ርክቦም ኣይበትኩን እዮም።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለምንታይ እዮም ንደቆም ናብ ስብከት ዚወስድዎም፧
ንደቅና ናብ ስብከት እንወስደሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። a
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ወለዲ ንደቆም ብመንፈሳዊ መዳይ ኪምህርዎምን ንኣምላኽ ንምምላኽ ኬሰልጥንዎምን ከም ዚግባእ ይገልጽ እዩ። (ኤፌሶን 6:4) ኣምልኾ ኺብሃል ከሎ ድማ፡ ብዛዕባ እምነትካ ምንጋር ስለ ዜጠቓልል፡ ስብከት ኣገዳሲ ኽፋል እቲ ሓደ ቘልዓ ዚምሃሮ መንፈሳዊ ትምህርቲ እዩ።—ሮሜ 10:9, 10፣ እብራውያን 13:15።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣጕባዝ “ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ” ይብል እዩ። (መዝሙር 148:12, 13፡ ትርጉም 1956) ንኣምላኽ እንውድሰሉ ቐንዲ መገዲ ድማ ብዛዕባኡ ንኻልኦት ብምንጋር እዩ። b
ቈልዑ ምስ ወለዶም ኣብ ስብከት ብምስታፍ፡ ጥቕሚ ይረኽቡ እዮም። ንኣብነት፡ ምስ ኵሎም ዓይነት ሰባት ብኸመይ ከም ዚረዳድኡ ይምሃሩ እዮም፣ ብተወሳኺ ድማ ከም ርሕራሐ፡ ለውሃት፡ ኣኽብሮት፡ ሓልዮት ዝኣመሰለ ጠቓሚ ባህርያት የጥርዩ እዮም። ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ መሰረት እምነቶም እውን ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ እዮም።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ በዓላት ወይ ኣብ ጽምብላት ይሳተፉ ድዮም፧
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣምላኽ ባህ ኣብ ዘየብል ሃይማኖታዊ በዓላት ወይ ጽምብላት ኣይሳተፉን እዮም። c (2 ቈረንቶስ 6:14-17፣ ኤፌሶን 5:10) ንኣብነት፡ መበቈሉ ምስ ክርስትና ኣብ ዘይተሓሓዝ ከም ጽምብል ዕለተ ልደት ወይ በዓል ልደተ ክርስቶስ ኣይሳተፉን እዮም።
እንተ ዀነ ግና፡ ምስ ስድራ ቤትና ግዜ ምሕላፍን ንደቅና ህያባት ምሃብን የሐጕሰና እዩ። ምስ ስድራ ቤትና ንምትእኽኻብን ህያባት ንምውህሃብን ብዓውደ ኣዋርሕ ኣይንቕየድን ኢና፣ ኣብ ክንዳኡስ ምሉእ ዓመት ንተኣኻኸብን ህያባት ንወሃሃብን ኢና።
a ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ፡ ውሉዳት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ወላዲኦም ወይ ምስ ካልእ ዓብዪ ሰብ እንተ ዘይኰይኑ፡ በይኖም ኣይሰብኩን እዮም።
b ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እምነቶም ንኻልኦት ብምንጋሮም ንኣምላኽ ዘሐጐሱ ብዙሓት ቈልዑ ተጠቒሶም ኣለዉ።—2 ነገስት 5:1-3፣ ማቴዎስ 21:15, 16፣ ሉቃስ 2:42, 46, 47።
c “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንገሊኡ በዓላት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
d ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።