ሕጋዊ ሓበሬታታት
መርሓባ!
እዚ ወብሳይት እዚ፡ ብዛዕባ ኣምላኽን መጽሓፍ ቅዱስን ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ክትምሃር ይሕግዘካ። ባህ ዝበለካ ትሕዝቶ ኸተንብብን ክትርእን ከተራግፍን ትኽእል ኢኻ። ካልኦት እውን ካብ ወብሳይትና ኺጥቀሙ ንደልዮም እኳ እንተ ዀንና፡ በጃኻ ንትሕዝቶ እዚ ወብሳይት እዚ ናብ ካልእ ወብሳይት ወይ ኣፕሊኬሽን ኣይትቕድሓዮ። ብመሰረት እቲ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ውዕል ኣጠቓቕማ፡ ንኻልኦት ነዚ ወብሳይት እዚ ኺጥቀሙ ብምሕባር ነቲ ኻብኡ ዝረኸብካዮ ፍልጠት ከተካፍሎም ትኽእል ኢኻ።
መሰል ደራሲ
© 2024 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania. All rights reserved.
ነዚ ወብሳይት እዚ ዘዳለዎን ዚኣልዮን፡ Watchtower Bible and Tract Society of New York, Inc. (“Watchtower”) እዩ። ካልእ ሓበሬታ እንተ ዘይተዋሂቡ፡ ኣብዚ ወብሳይት እዚ ዚወጽእ ኵሉ ጽሑፋትን ካልእ ሓበሬታን ኣእምሮኣዊ ንብረት Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania (“Watch Tower”) እዩ።
ምልክታት ንግዲ
Adobeን ሎጎ Adobeን Acrobatን ሎጎ Acrobatን፡ ምልክት ንግዲ Adobe Systems Incorporated እዩ። Appleን iTunesን iPodን፡ ምልክት ንግዲ Apple Inc እዩ። Microsoft፡ ሎጎ Microsoft፡ ከምኡ እውን ዝዀነ ስማት ሶፍትዌርን ፍርያትን Microsoft፡ እንተላይ Microsoft Officeን Microsoft Office 365ን፡ ምልክት ንግዲ Microsoft Inc እዩ። Android ምልክት ንግዲ Google LLC እዩ። ሮቦት Android ካብቲ ዚስርሓሉ ቦታ ኻብ Google እዩ ዚስራሕ ወይ ዚመሓየሽ፣ ምስቲ ኣብ Creative Commons 3.0 Attribution License (https://creativecommons.org/licenses/by/3.0/us/) ተገሊጹ ዘሎ ውዕል ኣጠቓቕማ ተሰማሚዕካ ድማ ይዕየየሉ። ኵሉ ኻልእ ምልክታት ንግድን ምዝጉብ ምልክታት ንግድን፡ ንብረት ዋናታቱ እዩ።
ውዕልን ፍቓድን ኣጠቓቕማን እዚ ወብሳይት እዚ
ነዚ ወብሳይት እዚ እትጥቀመሉ መገዲ፡ በዚ ውዕል ኣጠቓቕማ እዚ እዩ ዚቕየድ። ነዚ ወብሳይት እዚ ኽትጥቀም ምውሳንካ፡ ነዚ ውዕል ኣጠቓቕማ እዚ ምሉእ ብምሉእ ከም እተቐበልካዮ እዩ ዜርኢ። ነዚ ውዕል ኣጠቓቕማ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ዘይትሰማምዓሉ እንተ ዄንካ፡ ነዚ ወብሳይት እዚ ኣይትጠቐም።
ግቡእ ኣጠቓቕማ ዚብሃል እንታይ እዩ፧ ነዚ ዚስዕብ ቀይድታት ክትግዛእ ኣሎካ፦
-
ኣብዚ ወብሳይት እዚ ዘሎ መሰል ዋናኡ እተሓለወ ምስልታት፡ ኤሌክትሮኒካዊ ሕታማት፡ ሙዚቃ፡ ስእልታት፡ ጽሑፍ፡ ወይ ቪድዮታት ንውልቅኻን መኽሰብ ንዘይብሉ ዕላማን ክትጥቀመሉ ኢልካ ኽትርእን ከተራግፍን ክትሓትምን ትኽእል ኢኻ።
-
ናይዚ ወብሳይት እዚ ሊንክ፡ ወይ ኤሌክትሮኒካዊ ሕታማት፡ ቪድዮታት፡ መደባት ኣውድዮ ኽትልእኽ ትኽእል ኢኻ።
ነዚ ዚስዕብ ክትገብር የብልካን፦
-
ካብዚ ወብሳይት እዚ እተወስደ ምስልታት፡ ኤሌክትሮኒካዊ ሕታማት፡ ምልክታት ንግዲ፡ ሙዚቃ፡ ስእልታት፡ ቪድዮታት፡ ወይ ዓንቀጻት ኣብ ኢንተርነት (ኣብ ዝዀነ ይኹን ወብሳይት፡ ፋይል ዚልኣኸሉ ሳይት፡ ቪድዮ ዚልኣኸሉ ሳይት ወይ ማሕበራዊ መራኸቢ) ኣይትለጥፍ።
-
ካብዚ ወብሳይት እዚ እተወስደ ምስልታት፡ ኤሌክትሮኒካዊ ሕታማት፡ ምልክታት ንግዲ፡ ሙዚቃ፡ ስእልታት፡ ጽሑፍ፡ ወይ ቪድዮታት ብኻልእ ሶፍት ዌር ኣይተዳሉ ወይ ኣይተእቱ (ነዚ ትሕዝቶታት እዚ ኻልእ ሶፍት ዌር ኪጥቀመሉ ኢልካ ናብ ሰርቨር ኣይትጽዓን)።
-
ንንግዲ ወይ ንገንዘብ ኢልካ (ዋላ እውን መኽሰብ ኣይትርከበሉ)፡ ዝዀነ ይኹን ምስልታት፡ ኤሌክትሮኒካዊ ሕታማት፡ ምልክታት ንግዲ፡ ሙዚቃ፡ ስእልታት፡ ቪድዮታት፡ ወይ ዓንቀጻት እዚ ወብሳይት እዚ ኣይትቕዳሕ፡ ኣይተባዝሕ ወይ ብኻልእ መገዲ ኣይትውሰድ።
-
ካብዚ ወብሳይት እዚ መረዳእታ ንምእካብ፡ ንምቕዳሕ፡ ንምርጋፍ፡ ኣስተዋጽኦን ትሕዝቶን HTMLን ስእልታትን ጽሑፍን ንምውሳድ ወይ ንምዝርጋሕ ዚሕግዝ ሶፍትዌር ኣፕሊኬሽን፡ ናውቲ፡ ወይ ተክኒክ ኣይትፍጠር። (እዚ ግና ነቲ ኤሌክትሮኒካዊ ፋይላት፡ ንኣብነት፡ EPUB፡ PDF፡ MP3፡ MP4 ፋይላት ንምርጋፍ ተባሂሉ ብናጻ ዚዳሎ ንግዳዊ ዘይኰነ ኣፕሊኬሽናት ኣየጠቓልልን።)
-
ነዚ ወብሳይት እዝን ነቲ ኻብኡ እትረኽቦ ኣገልግሎትን ብዘይግቡእ ኣይትጠቐመሉ፣ ንኣብነት፡ ነዚ ወብሳይት እዚ ወይ ነቲ ኻብኡ እትረኽቦ ኣገልግሎት ብዚዓናቕፍ ወይ ከኣ ካብቲ ብንጹር እተሓበረ መምርሒ ወጻኢ ብዝዀነ መገዲ ኣይትጠቐመሉ።
-
ነዚ ወብሳይት እዚ ዚጐድእ ወይ ኪጐድእ ዚኽእል ወይ ከኣ ከም ዘይሰርሕ ኪገብሮ ዚኽእል መገዲ ኣይትጠቐም። ብዘይተፈቕደን ብዘይሕጋውን ብመታለልን ብጐዳእን መገዲ ዀነ ምስ ዘይተፈቕደን ዘይሕጋውን መታለልን ጐዳእን መገዲ ብዚተሓሓዝ ዕላማ ወይ ንጥፈት ኣይትጠቐመሉ።
-
ነዚ ወብሳይት እዚ ወይ ንዝዀነ ይኹን ምስልታት፡ ኤሌክትሮኒካዊ ሕታማት፡ ምልክታት ንግዲ፡ ሙዚቃ፡ ስእልታት፡ ጽሑፍ፡ ወይ ቪድዮታት እዚ ወብሳይት እዚ ንንግዲ ኣይትጠቐመሉ።
-
እዚ ወብሳይት እዚ ኣገልግሎት Google Maps ይጥቀም እዩ፣ እዚ ድማ ንሕና ናይ ዘይንቈጻጸሮ ሳልሳይ ኣካል ኣገልግሎት እዩ። ኣብዚ ወብሳይት እዚ Google Maps ክትጥቀም ከለኻ፡ በቲ ህሉው ኣገልግሎት Google Maps/Google Earth ዚጠልቦ ዅነታት ውዕል ክትቅየድ ኣሎካ። ኣብቲ ውዕል ኣገልግሎት እተገብረ ለውጥታት ኣይሕበረናን እዩ፣ ስለዚ፡ ኣገልግሎት Google Maps ቅድሚ ምጥቃምካ ንዕኡ ኸልሶ። ንዅነታት እቲ ውዕል እንተ ዘይተቐቢልካዮ፡ ኣገልግሎት Google Maps ኣይትቀበል። Google Maps ንሓበሬታ እቲ ተጠቃሚ ናብዚ ወብሳይት እዚ መሊሱ ኣይልእኮን እዩ።
ክፋል ሕክምና
ኣብ ክፋል ሕክምና (“Medical Section”) እዚ ወብሳይት እዚ ዘሎ ትሕዝቶ፡ ንሓበሬታ ጥራይ እተዳለወ እዩ፣ ሕክምናዊ ምኽሪ ዝሓዘ ወይ ንሕክምናዊ ምኽርን ንመርመራን ንሕክምናን ዚትክእ ኣይኰነን። እዚ ኽፋል ሕክምና እዚ፡ ንዝዀነ ይኹን መርመራ፡ ሓኪም፡ ምህርቲ፡ ርእይቶ፡ ወይ ንኻልእ ኣብዚ ኽፋል ሕክምና እዚ እተጠቕሰ ሓበሬታ ፍሉይ ደገፍ ኣይህብን እዩ።
ብዛዕባ ዅነታት ጥዕናኻ ወይ ብዛዕባ እቲ ኽትገብሮ ዘሎካ ሕክምና ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ንሓኪም ወይ ክኢላ ሕክምና ኣማኽር።
እዚ ወብሳይት እዚ፡ ኣብቲ ኽፋል ሕክምና ቕኑዕን ዝዘመነን ሓበሬታ ኼስፍር ይጽዕር እዩ። ይኹን እምበር፡ ኵሉ እቲ ኣብ ክፋል ሕክምና እትረኽቦ ሓበሬታ ብዘይ ውሕስነት ዝቐረበ እዩ። እዚ ወብሳይት እዚ ነቲ ኣብዚ ኽፋል ሕክምና እተገልጸ ዀነ እተኣመተ ውሕስነታት ከም ናቱ ኣይቅበሎን እዩ። ስለዚ፡ እዚ ወብሳይት እዚ፡ ብዛዕባ ተኣማንነት፡ ልክዕነት፡ ዘመናውነት፡ ጥቕሚ፡ ወይ ምልኣት እቲ ኣብ ክፋል ሕክምና እትረኽቦ ሓበሬታ ውሕስነት ኣይህብን እዩ። ኣብ ትሕዝቶ እቲ ኽፋል ሕክምና ንዚርከብ ጌጋ ወይ ግድፈት እውን ሓላፍነት ኣይወስድን እዩ። ነቲ ኣብዚ ኽፋል ሕክምና እትረኽቦ ሓበሬታ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ሓላፍነት ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። እዚ ወብሳይት እዚ፡ ነቲ ኽፋል ሕክምና ምስ ተጠቐምካ ወይ ብዘይምጥቃምካ ንዚወርደካ ጕድኣት (እዚ ጕድኣት እዚ፡ ድንገታውን ሳዕቤናውን ጕድኣት፡ መቝሰልቲ/ሞት፡ ክሳራ፡ ወይ ከኣ ምጥፋእ መረዳእታ ወይ ምቍራጽ ዕዮ ኪኸውን ይኽእል እዩ)፡ ዋላ እኳ እቲ ጕድኣት ኣብ ውሕስነት፡ ውዕል፡ በደል ወይ ካልእ ዝዀነ ይኹን ምስ ሕጊ ዚተሓሓዝ ክልሰ ሓሳብ እተመስረተ እንተ ዀነ፡ በቲ ዜጋጥም ጕድኣት ተሓታቲ ኣይከውንን እዩ። ዋላ እውን ብዛዕባ እቲ ኺፈጥሮ ዚኽእል ጕድኣት ተሓቢርዎ እንተ ነይሩ፡ በቲ ዜጋጥም ጕድኣት ተሓታቲ ኣይከውንን እዩ።
ዘይምቕባል ውሕስነትን ደረት ተሓታትነትን
እዚ ወብሳይትን ኵሉ እቲ በዚ ወብሳይት ኣቢሉ ዚቐርብ ሓበሬታን ትሕዝቶን ካልእ ኣገልግሎትን ብWatchtower ከም ዘለዎ እዩ ዚቐርብ። Watchtower እተገልጸ ዀነ እተኣመተ ውክልና ወይ ውሕስነት ኣይኣቱን እዩ።
Watchtower ነዚ ወብሳይት ካብ ቫይረስ ወይ ካብ ካልእ ጐዳኢ ነገራት ናጻ ምዃኑ ውሕስነት ኣይኣትወሉን እዩ። ነዚ ኣገልግሎት እዚ ኽትጥቀም ከለኻ ወይ፡ በዚ ወብሳይት ኣቢሉ ዚቐርብ ሓበሬታ፡ ትሕዝቶ፡ ወይ ካልእ ኣገልግሎት ክትጥቀም ከለኻ ብዜጋጥመካ ዝዀነ ዓይነት ጕድኣት፡ እንተላይ ንቐጥታውን ንዘይቀጥታውን ንንኣሽቱን ንመቕጻዕታውን ንሳዕቤናውን ጕድኣታት (እንተላይ ንምስኣን መኽሰብ) Watchtower ኣይሕተተሉን እዩ።
ጥሕሰት ውዕል ኣጠቓቕማ
ነዚ ኣብዚ ውዕል ኣጠቓቕማ ዘይተጠቕሰ መሰላት Watchtower እውን ሓዊስካ፡ ነዚ ውዕል ኣጠቓቕማ እዚ ብዝዀነ ይኹን መገዲ እንተ ጥሒስካዮ፡ ማሕበር Watchtower ግቡእ ስጕምቲ ኺወስድ፡ ማለት ናብዚ ወብሳይት እዚ ኸይትኣቱ ኪኽልክለካ፡ ነቲ ናትካ ኣይፒ ኣድራሻ ንዚጥቀማ ኮምፕዩተራት ነዚ ወብሳይት እዚ ኸይጥቀማ ኺዓጹ፡ ምስቲ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዜቕርበልካ ትካል ተራኺቡ ናብዚ ወብሳይት እዚ ምእንቲ ኸይትኣቱ ኸም ዚዓጽዉኻ ኺገብርን ካልእ ሕጋዊ ስጕምቲ ኺወስድን ይኽእል እዩ።
ለውጢ
Watchtower ነዚ ውዕል ኣጠቓቕማ እዚ በብግዜኡ ኪኽልሶ ይኽእል እዩ። እቲ እተኸለሰ ውዕል ኣጠቓቕማ፡ ካብታ ኣብዚ ወብሳይት እዚ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ እዩ ዚዓዪ። ምስቲ እዋናዊ ውዕል ምእንቲ ኽትፋለጥ፡ በጃኻ ነዚ ገጽ እዚ በብእዋኑ ርኣዮ።
ሕግን ስልጣንን
እዚ ውዕል ኣጠቓቕማ እዚ፡ ኣብ ካልእ ቦታ ምስ ዘሎ ሕግታት ይጋጮ ብዘየገድስ፡ ብሕጊ ግዝኣት ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. እዩ ዚቕይድን ዚትርጐምን። ምስዚ ውዕል ኣጠቓቕማ ዚተሓሓዝ ኵሉ ሕጋዊ ስጕምቲ ዚውሰድ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. ስልጣን ናብ ዘለዎ ቤት ፍርዲ እቲ ግዝኣት ወይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ምስ ቀረበ እዩ።
ከፊልነት
እዚ ውዕል ኣጠቓቕማ እዚ ብኸፊል ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ወይ ሕጋዊ ኸም ዘይኰነ ብቤት ፍርዲ እንተ ተወሲኑ፡ ካልእ ክፋል እዚ ውዕል እዚ ግና ይዓዪ እዩ። Watchtower ንገለ ኽፋል እዚ ውዕል እዚ ግብራዊ ኸም ዚኸውን ኪገብር ዘይምኽኣሉ፡ ነዚ ውዕል እዚ ኸም ዚዓዪ ምግባሩ ገዲፍዎ እዩ ማለት ኣይኰነን፡ ወይ ከም ዝገደፎ ጌርካ ኽትርጐም የብሉን።
ሓፈሻዊ ስምምዕ
እዚ ውዕል ኣጠቓቕማ እዚ፡ ነዚ ወብሳይት ምስ ምጥቃም ብዚተሓሓዝ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ Watchtower እተገብረ ምሉእ ስምምዕ ዝሓዘ እዩ። ነዚ ወብሳይት እዚ ምስ ምጥቃም ብዚተሓሓዝ ኣቐዲሙ ንእተገብረ ዝዀነ ይኹን ስምምዕ ድማ ዚትክእ እዩ።